ውሕስነት - ናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ስርዓታት
ብናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ስርዓት ገለ ነገር እንተጋጢሙ ብቕልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ከም ኣምባር ወይ ሰንሰለት ምሳኻ መጠወቒ ትሕዝ። ነቲ መጠወቒ እንተ ጸቒጥካዮ፡ ምስ ሓደ ናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ማእከል ክትራኸብ ኢኻ። ሓገዝ ኣብኡ ብቕጽበት ይውደብ። ዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ኣለዉ። ንነብስኻ ክትመርጽን ነቲ ወጻኢታት ክትከፍልን ትኽእል ኢኻ። ቀይሕ መስቀል ኣርጋው ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ህጹጽ እዋን ጻውዒት ስርዓት እውን የቕርብ።