ምእማት/ ናይ ሕጊ ልምድታት

ነብሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሰን መለለዪ ባህሊን ኣባሃህላን ኣለወን። ኣብ ስዊስ ውን ሓደ ሓደ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈሩ ሰብ ክጥንቀቐሎም ዝግባእ ሕግታት ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ ባህልታት

ስዊስ ዝተሓዋወሰ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ኢያ። እዚ ምስተን ኣርባዕተ ቛንቛታት ይተሓሓዝ።ስለዚ እቲ ኣተሓሳስባ ናይቲ ሕብረተሰብ ካብ ቦታ ናብ ብዙሕ እንተተፈላለየ ዘገርም ኣይኮነን። ናይ ተዛረብቲ ጀርመን ባህሊ ንተዛረብቲ ፈረንሳይ ዘይልሙድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዘሎ ፍልልይ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ተመሳሳሊ ባህርያት ክህልዉ ግን ናይ ግድን ኢዩ።

ሰላምታ

ሰላምታ ንምልውዋጥ ኣብ ስዊስ ሰባት ኢድ ይጨባበጡን ዓይኒ ንዓይኒ ይጠማመቱን: ንደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሓደ ኢዩ። እቲ ፍሉጥ ምልውዋጥ ሰላምታ ግሩዚ„Grüezi“ (ኣብ ኣዕሩኽን መሓዙትን ከኣ ሃሎ „Hallo“ ወይ ሆይ „Hoi“) ኢዩ። ኣብ ገጠራት ስዊስ ሰባት ኣብ ጎደና ሰላምታ ይለዋወጡ፣ ንዘይትፈልጦ ሰብውን እንተኮነ። ግብረ መልሲ ከም የቐንየለይ „Danke“ን በጃኻ/ብክብረትካን „Bitte“ ኣገደስቲ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ድዃናት: ኣብ ቤት መግቢን ሰባት ደጋጊሞም የቐንየላይ: በጃኻ ኣዘውቲሮም ይብሉ።

ኣብ ግዜኻ ምርካብ

ኣብቲ ውሩይን ህቡብን ባህሊ ስዊስ ኣብ ግዜኻ ምርካብ ጥራይ ኣይኮነን። ትድንጚ እንተኮንካ ውን ብቴለፎን ክትሕብር ህቡብ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣብ ግዜኻ ምርካብ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ይወሃቦ። ሓደ ሰብ ከረኽበካ እንተደልዩ: ሰብ ኣቐዲሙ ቆጸራ ይገብር። ብዘይ ገለ ቆጸራ ወይ ምሕባር ምብጻሕ ውን ከም ሕጊ ልሙድ/ቅቡል ኣይኮነን።

ተዘዋዋሪ ዝርርብ / ምምሕልላፍ ሓበሬታ

ኣብ ስዊስ ሰባት ዘይሰማምዓም ወይ ዘይምችኦም ነገራት ብተዘዋዋሪ ይገልጹ። ብዙሓት ሰባት ክዘራረቡ ከለዉ ምንቃፍ ብቀጥታ ኣየዘውትሩ ወይ ብሕቡእ ቃላት ከዊሎም ይገልጹ። ካብዚ ከኣ ሰባት ነቲ ነቐፌታ ክግንዘብዎን ክእረምሉን ትጽቢት ይገብሩ። እዚ ቀሊል ኣይኮነን ጽቡቕ ጀርመን ዘይትዛረብ እንተኮንካ: ክትርድኦ ውን የጸግም ኢዩ።ኣብዚ ውህደት ክሕሎ ኣለዎ: ኣብ ግጭት ዘለዎ ኩነታት ሓደ ቀጥታዊ ዝርርብ ይርአ። ንኣብነት ሓደ ሰብ እንተረቢሹ : ካብ ጎረቤቱ ደብዳቤ ክመጽኦ ይኽእል። ሰብ እቲ ዝመሓላለፍ ሓበሬት ምስዘይርድኦ ደጋጊሙ ክሓትት ይግባእ።