መንበሪ ገዛ ምርካብ

መብዛሕትኦም ነበርቲ ስዊስ ኣብ ገዛ ክራይ ይነብሩ። ምድላይ መንበሪ ገዛ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን: ዋጋ ክራይ ገዛ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ዕዳጋ መንበሪ ገዛ

መብዛሕትኦም ነበርቲ ስዊስ ኣብ ገዛ ክራይ ይነብሩ። ንመንበሪ ገዛ መህነጺ ዝከውን መሬትውን ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ:ብዝያዳ ከኣ ኣብ ማእከላይ ቦታ ዝርከባ ምምሕዳር ከባቢታት: ክራይ ገዛ ኣይርከብን። ዋጋ ገዛ ክራይ ክኣ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። ኩሉ ሰብ ሓደ ርብዒ ናይ ደሞዙ ንገዛ ክራይ ይኸፍል። ካብ ማእከላት ናይ ከተማ ርሒቕካ መንበሪ ገዛ ክራይ ምድላይ: ተመራጺ ይኸውን። ንእሽቱ ቦታታት ኣብ ዝርከብዎ ገዛ ምስትካረ ንህዝባዊ መጙዓዝያ ጽቡቕ ተመራጺ ይኸውን።

መንበሪ ገዛ ምርካብ

መንበሪ ገዛ ክራይ ዝምልከት ቀረባት ዝገብራ ብዙሓት ናይ ኢንተርነት ማዕከናት ኣለዋ። ኣብ ናይ ከባቢ ጋዜጣታት: ብዛዕባ ክራይ ገዛ ሓበሬታ ዝዝርግሓ ኣለዋ። ገለ ኣካረይቲ ገዛ: ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእከላት ናይ ምምሕዳር ቤትጽሕፈትን (z.B. Gemeindeverwaltungen) ንምውዕዋዕ ገዛ ክራይ ይጽሕፉ። ብዙሓት ገዛውቲ ንክራይ ዝቐርቡ: ኣብ መወዓውዒ ኣይወጽኡን።ስለዚ ካብ ኣዝማድ ወይ ፈልጥቲ ብዛዕባ ንክራይ ዝኸውን ገዛ ምስማዕን ምሕታትን ጽቡቕ ኢዩ። .

ምምልካት ከም ተኻራዪ ገዛ

ሓደ ገዛ ክካረ ዝደሊ ሰብ: ከም ሕጊ: ምስ ኣካራዪ ወይ ወናኒ ትካል ክራይ ገዛ ይራኸብን: ንክርእዮ መዓልቲ ምርኣይ ቆጸራ ይገብር። ነቲ ገዛ ክካረዮ ከመልክት እንተደልዩ: ሓደ ናይ መመዝገቢ ቅጥዒ ክመልእ ኣለዎ። ነዚ ቅጥዒ ካብ ኣካራዪ ገዛ ይረኽቦ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ኣካረይቲ ገዛ ካብ ተኻረይቲ: ካብ ዕዳ ነጻ (Betreibungsregisterauszug) ምኻኖም መረጋገጺን ሓደ ሓርፋፍ ገምጋም ናይ ደሞዞም ከምጽኡ ይሕተቱ። በዚ ከኣ ነቲ ክራይ ክኸፍልዎ ከምዝኽእሉ ይረጋግጹ።ነቲ ናይ ካብ ዕዳ ነጻ ምኻንካ ዘረጋግጽ ወረቐት ካብ ትካል ምክትታል ዕዳ (Betreibungsamt) የውጽእዎ።ንሓደ ገዛ ክካረይዎ ዝደልዩ ብዙሓት ክኾኑ ስለዝኽእሉ ኣብ ብዙሕ ገዛውቲ ምምልካት ተመራጺ ይኸውን።

መንበሪ ክፍሊ / ገዛ ምግዛእ ወይ ምዕዳግ

ወጻእተኛታት ናይ ናይ ኩሉ ግዜ መንበሪ ፍቓድ C ዘለዎም ብዘይ ገለ ገደብ ኣብ ካንቶን ኣርጋው ገዛ ክገዝኡ ይኽእሉ። እዚ መሰል ንካብ EU/EFTA-ዝመጽኡ እሞ መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም ውን ይፍቀድ።ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት እሞ መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም: ገዛ ክገዝኡ እተደልዮም: ባዕሎም ጥራይ ክነብርዎ ኣለዎም። ንካልእ መንበሪ ፍቓድ ከም (L, F) ዘለዎም ግን ገዛ ክገዝኡ ኣይክእሉን። ንጭቡጥን ንጹርን ሓበሬታ ግን ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል መሰረታዊ ተሓዝ መዝገብ (Grundbuchamt). ይሕብር ወይ መምርሒን መጝለጺን ክርከብ ይከእል።