መንበሪ ገዛ ምክራይ

ገዛ ክራይ ዝካረ ሰብ ዝተፈላለዩ ሕጋዊያን መሰላትን ግቡኣትን ኣለዎ። ኣካረይቲ ገዛ ካብ ሎሚ ንጽባሕ ካብ ገዛ ክራይ ከውጽእኻ ኣይክእሉን። እቶም ተኻረይቲ ከእ ሕግታት ገዛ ክራይ ከኽብሩ ኣለዎም።

ውዕል ክራይ ገዛ

ከም ሕጊ ኣካራዪን ተኻረይቲን ሓደ ናይ ጽሑፍ ውዕል ብዛዕባ ሕግታት ክራይ ይወዓዓሉ። ናይ ቃል ስምምዕውን ንውዕል ገዛ ክራይ ክቕይድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ተመራጺ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ: ኣብ ውዕል ገዛ ክራይ: ብዝተሓተ ደረጃ:መሰልን ግቡኣትን: ናይ ግቡእነት መሰላት (Obligationenrecht) ብዕቱብ ክተሓዙ ኣለዎም።

ክራይ ገዛ

ክራይ ገዛ: ኣብ ንቡር ኩነታት: ካብቲ ጽሩይ ወለድ ክራይ: ተወሳኺ ወጻኢታት (Nebenkosten) (መውዕዪን ውዑይ ማይን) ብሓንሳብ የጠቓልል።ናይ ናይ ክራይ ውዕል ዝጥቀስ ተወሳኺ ክፍሊት ወጻኢታት ጥራይ ኣብ ትጽቢት ከም ሕሳብ ክኣትዉ ኣለዎም። ክራይ ገዛ ወርሕዊ ኣቐዲምካ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ክኽፈል ኣለዎ። ኣካራዪ ገዛ ንዋጋ ክራይ ኣብ ጭቡጥ ምኽንያታት ጥራይ ክውስኽ ይኽእል። ንምውስኽ ገዛ ክራይ ዝምልከት ኣብ እዋኑ ሓደ ሕጋዊ ቅጥዒ መሊኡ ብስርዓት ክሕብር ይግባእ። ነዚናይ ምውሳኽ ገዛ ክራይ ተኻራዪ ዘይርትዕዊ ኮይኑ ምስዝረኽቦ: ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ: ናብ ናይ ኣሰነይቲ ወይ ዓረቕቲ ሰብ-ስልጣን (Schlichtungsbehörde) ቤት-ጽሕፈት ናይ ወረዳ ከመልክት ይኽእል። ኣካራዪ ብተወሳኺ ሓደ ዋሕስ ክፍሊት (Kaution) ናይ 3 ወርሒ ክራይ ኣቐዲሙ ዝኽፈል ክሓትት ይኽእል።እዚ ክፍሊት ውሕስነት ካብቲ ገዛ ክራይ ክትወጽእ ከሎኻ ተመሊሱ ይወሃበካ።

ምእታው / ምግዓዝ ናብ መንበሪ ገዛ

ኣብ ሓደ ሓድሽ ክራይ ገዛ ክትኣቱ ከለኻ ብዙሕ ዝርዝር ሕግታት ዝሓዘ ጽሑፍ ምስ ውዕል ክራይ ገዛ ናይ ምርኽኻብ ወግዒ (Wohnungsabnahmeprotokoll) ዝበሃል ይወሃብ። ኣብዚ ከኣ ተኻራዪን ኣካራዪን ገዛ: ኩሉ ዝርዝር ንብረት ገዛ: ዝተበላሸወ ንብረት: የረጋግጹን ይወሃሃቡን። በዚ ከኣ እቲ ተኻራዪ ናይ ዝሓለፈ ተካራዪ ዕዳ ናይ ዘበላሸዎ ንብረት ተሓታቲ ከይከውን የረጋግጽ። እንስሳ-ዘቤት ዘለዎ ተኻራዪ: እንስሳኡ ኣብቲ ገዛ ክሕዞም ከምዝኽእል: ኣቐዲሙ ክሕብር ይግባእ። ተጠንቀቕ: ኣብ ሓድሽ ገዛ ክራይ ድሕሪ ምእታው: ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን ንምምሕዳር ከባቢ: ክሕብር ይግባእ።

ዕንወት / ብልሽት ኣብቲ መንበሪ ገዛ

ንእሽቱ ብልሽት ኣብቲ ክራይ ገዛ ዘጋጥሙ: ተኻረይቲ ባዕሎም ክኸፍልዎም ይግባእ። ንኣብነት ሓድሽ ናይ ባኞ ትቦ: ናይ ሳሙና መቐመጢ።ኣብ ዓበይቲ ወጻእታት ዝሓቱ ብልሽት ወይ ምቕያር ንብረት: ኣካራዪ ባዕሉ ክኸፍሎም ይግባእ። ተኻረይቲ ባዕሎም ንዘስዓብዎ ብልሽት ባዕሎም ክኸፍልዎ ይግባእ። ነዚ ኣጋጣሚታት: ሰብ ናይ ውልቂ ብግቡእ ምትሓዝ ዝምልከት ድሕነት ክእቱ ኣለዎ። ገለ ነገር ምስዝበላሾሞ ምቕያሩ ምስዝድለ: ንኣብነት: ኣብቲ ገዛ ገለ ምቕያር ምስዝድለ: (መንደቕ ሕብሪ ምልካይ): ተካራዪ ነቲ ኣካራዪ ክውከሶ ይግባእ። ሓደ ዓቢ ነገር ኣብቲ መንበሪ ገዛ ምስዝህሉ: ንኣብነት ዘይሰርሕ መውዓዪ: ወይ መሕጸቢ ክዳውንቲ: ወይ ረብሻ ድምጺ ናይ ስርሓት ህንጻ.... ሓደ ናይ ዋጋ ክራይ ምጉዳል መሰል ክህሉ ይከእል።

ምስንባት / ምውጻእ

ኣካራዪ ወይ ተኽራዪን ንሓደ ገዛ ዝምልከት ውዕል ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ናይ ዓመት ጥራይ ክስርዝዎ ይከእል።ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ፍሉጣት ናይ ምስራዝ ውዕል ክራይ ናይ ግዜ ቆጸራ: 31. መጋቢት: 30. ሰነ: 30. መስከረምን ኢዮም። ካብዚ ወጻኢ እቲ ናይ ምስራዝ ውዕል ኣብ ግቡእ ግዜኡ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ መንበሪ ገዛ ውዕል ክራይ ንምውሳን ብውሕዱ 3 ወርሒየድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ: ናይ ምስራዝ ቆጸራን: ደረት ናይ ምስራዝ ግዜን ኣብ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ተጻሒፎም ይርከቡ።ኣካራዪ ውዕል ምስራዝ ኣብ ዝሓተሉ ወይ ዝደልየሉ እዋን ሓደ ሕጋዊ ቅጥዒ ክመልእ ኣለዎ። ከም ተኻራዪ ከኣ ኩሉ ሰብ ናይ 30 መዓልቲግዜ: ነቶም ኣሰነአይቲ ወይ ኣተዓረቕቲ/ሸምገልቲ ሰበ-ስልጣን ክሕብር ዕድል ይረክብ።