ጉርብትና

ኣብ ኩሉ መንበሪ ገዛውቲ: ኣብ መንጎ ጎረባብቲ: ዘሎ ርክብ ሓደ ዓይነት: ወይ ጥቡቕ ኣይኮነን። ንዝኾነ ግን ምስ ጎረቤት ምዝርራብን ምልዛብን ብፍላይ ኣብ ግዜ ዘይምርድዳእ ተመራጺን ግቡእን ኢዩ።

ምስጛም ንርክብ ወይ ምውካስ

ኣብ ገለ ገዛውቲ ወይ ጎረባብቲ: ሰባት ነንሕድሕዶም: ርክቦም ብምልክት ወይ መንደቕ ብምህራም ይረዳድኡ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ግን እዚ ዘይቅቡል ክኸውን ይኽእል። ሓድሽ ዝእቱ ሰብ ንግረባብቱ ብኣካል እንተተላለዮም: እዚ ኣብ ካንቶን ኣርጋው ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝተኣታቶን ዝመሓላለፍን ዘሎ ኢዩ። ሓደ ሓድሽ ተኻራዪ ምስ ሰባት/ጎረባብቲ ርክብ ክገብር ዘይደሊ: ካብ ካልኦት ክጽበ ከኣ የብሉን። ስለዚ ሰብ ኣብ ሓደ ምስኡ ዝሰማማዕ ገዛውቲ ኣብ ካልእ ከድህብ ኣለዎ። ካልእ ተኽእሎ: ምስቲ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ህዝቢ ከራኽብ ወይ ከላሊ ዘኽእል ማሕበር ክኸይድ ኣለዎ።

ስርዓት / መምርሒ መንበሪ ገዛ

ዳርጋ ኩሉ ገዛውቲ: ኣብ ብዙሓት ነበርቲን ዋንነትን ዘለዎ ገዛ: ሓደ ናይ መንበሪ ገዛ ስርዓት (Hausordnung) ኣሎ። እዚ ኩሉ ግዜ ምስቲ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ብሓንሳብ ይወሃብ። ኣብዚ ኩሉ ሕግታት ብሓባር ናይ ምንባርን: ብሓባር ትጥቀመሎም ክፍልታትን ከም ናይ ሓጻቢት ክዳውንቲ ማሽን: ብሓባት ትጥቀመሉ ነገራት ብዝርዝር ይግለጽ። ኣብ ስዊስ ብዙሕ ዋጋ ዝወሃቦ: ናይ መንበሪ ገዛ ስርዓት ምኽባርን ምሓላውን ኢዩ። እዚ ናይ ጸጥታን ህድእ ምባልን ግዜ: ብከፊል ብዕቱብ ክኸብሩ ይጥለብ።

ግጭት

ሓደ ሰብ ካልኦት ዝርብሹ ወይ ስርዓት ናይቲ መንበሪ ገዛ ዘየብሩ ኮይኖም ምስዝረኽቦም: መጀመርታ: ምስኣቶም ክዘራረብ:ክፍትን ይምረጽ። እዚ ፍታሕ ምስዘየምጽእ ግን ነቲ ኣካራዪ ወይ ንኣማሓድሪ ናይቲ ገዛ ምሕባር የድሊ። ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ንፖሊስ ምሕባር የድሊ(ተለፎን: 117) : ንፖሊስ ዝሕበር: ምስክር ናይ ፍጻሜ ጎነጽ ወይ ኣብ ጽቡቕ ናብራ ናይ ጎረቤት ዝግደስ ሰብ ምስዝህሉ ኢዩ።