ሕማምን ሓደጋን

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ናይ ሕማምን ናይ ሓደጋን ድሕነት ግድን የድልዮ። እዚ ናይ ውልቒ ድሕነት: ኣብ ግዜ ሕማምን ሓደጋን ንዘጋጥሙ ክፍሊት ሕክምናን ስራሕን ከምኡውን ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ወጻኢታት ይሽፍኑ። እዘን ክልተ ናይ ድሕነት ውዕላት ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ኣብ ስዊስ ምእታው ክፍጸማ ይግባእ።

ናይ ሕክምናዊ ክንክን ድሕነት (መሰረታዊ ድሕነት)

ኩሎም ነበርቲ ስዊስ: ብግዲ ናይ ውልቀም ነብሰም ክኢሎም ናይ ሕማም ድሕነት:ወይ (መሰረታዊ ድሕነት: Grundversicherung) ክኣትዉ ኣለዎም። ስለዚ ኣብ ስዊስ ክነብር ዝመጽእ 3 ወርሂ ነዚ ውዕል ንምእታው ዝኸውን ግዜ ኣለዎ። ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ዝሓምም: ክፍሊት ወጻኣታት እንደገና ዝምለሱ ይግበሩ። እቲ መስረታዊ ናይ ድሕነት ውዕል ዝገብራ ብዙሓት ናይ ውልቂ ትካላትናይ ሕማም ድሕነት ማዕከናት (Krankenkassen) ኣለዋ። ዝደለኽዮ ማዕከን ክትመርጽ ይከእል። እዘን ናይ ሕማም ድሕነት ማዕከናት ንኩሎም ኣብ ስዊስ ዝነብሩ ሰባት ይቕበላ። እቶም ኣብዚ ድሕነት ዝእተዉ ሰባት ከኣ ወርሕዊ ክፍሊት ናብዘን ማዕከናት ይኸፍሉ። እዚ ወርሓዊ ክፍሊት ከከም ዓይንት ናይ ሕማም ድሕነት ማዕከን ይፈላለ። እዚ ከምቲ ዝህቦ ኣገልግሎትን ጠለባት ዓሚልን: ብዙሓት ቅድመ-ኩነት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዋገ ፍልልይ ስለዘለዎ: ውዕል ኣብ ትገብረሉ ግዜ ምውድዳርን ምንጽጻርን ኣድላዪ ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት: ሰብ ምስዝሓምም ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ወጻኢታት ወይ ክፍሊት ዝሽፍን: እንታይ ደኣ: ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ናይ ኣዴታት ውን ይሽፍን ኢዩ። እቲ ዝግበር ክፍሊታት ብሕጊ ዝተወሰነን ዝተሓንጸጸን ኢዩ።

ናይ ሓደጋ ድሕነት

ሰራሕተኛታት ኣብ መዓልቲ ካብ 8 ሰዓት ንላዕሊ ዝሰርሑ እንተኮይኖም: ብወሃብ ስራሕ ብቀጥታ ናይ ሓደጋ ድሕነት ኣብ ግዜ ስርሖምን ኣብ ዕረፍቶምን ንዘጋጥሞም ሓደጋ ውሕስነት ይኣትወሎም። ውሑድ ሰዕታት ዝሰርሕ ሰብ እዚ ናይ ሓደጋ ድሕነት ኣይክፈለሉን: ስለዚ ነዚ ዝምልከት ድሕነት: ባዕሉ ክሽፍኖ ኣለዎ። እዚ ነቶም ብገዛእ ርእሶም ዝመሓደሩን ናይ ውልቖም ዋኒነ ንብረትን ትካልን ዘሎዎም ሰባት ውን ይምልከት። እዚእቶም ኣብ ርእሲቲ ናይ ሕማም ድሕነቶም ናይ ሓደጋውን ክገብርሉ ይግባእ። ኣብዚ ድሕነት ውዕል ዝገበሩ: ወርሓዊ ክፍሊት ክኸፍሉ ይግባእ። ኣብዚ ንሰራሕተኛታት ብቀጥታ ካብ ደሞዞም ይኽፈል።

መሕሰሪ / ምጉዳል ዋጋ ካብ ክፍሊት መሰረታዊ ድሕነት

ንማዕከን ናይ ሕማም ድሕነት ብገዛእ ርእሱ ክኸፍል ዘይክእል ሰብ: መሕሰሪ/ምጉዳል ዋጋ ካብ ክፍሊት መሰረታዊ ድሕነት(Prämienverbilligung) ካብ መንግስቲ ይግበረሉ።ነዚ ምሕሳር ዋጋ ንምርካብ: ሰብ ኩሉ ግዜ ክሳብ ዕለት 31 ግንቦት ዘሎ ግዜ ናይ ጠለብ ሕቶ ክገብር ኣለዎ። እዚ እንተተፈቒድሉ: ሰብ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ውሑድ ናይ ድሕነት ክፍሊት ይኸፍል። ኣብቲ ካንቶን ደንጚዮም ንዝእተዉ ሰባት: ፍሉይ ሕግታት ነዚ ዝምልከት ይግበረሎም። ናይ ምምሕዳር ከባቢ: ጨንፈር ማሕበራዊ ድሕነት (Gemeindezweigstelle der Sozialversicherungsanstalt SVA) ኩሉ ነዚ ዝምልከት ሓበሬት ይመሓላልፍን: መሕሰሪ/ምጉዳል ዋጋ ካብ ክፍሊት መሰረታዊ ድሕነት ከኣ ባዕሉ ይምዝግብን ይሽፍን።

ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት

ብነጻ ድልየት: መመላእታ ንውሕስነት ጥዕና: ኣብ ልዕሊቲ መሰረታዊ ናይ ድሕነት ውዕል: ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት (Zusatzversicherungen) ክግበር ይከኣል።እዚ ንወጻኢታት ካብ ናይቲ መስረታዊ ውሕስነት ዝኾኑ ይሽፍን። ንእብነት: ናይ ስኒ ክንክን። ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት ካብ ኩሎም ማዕከናት ናይ ሕማም ድሕነታት ናብ ዕዳጋ ይወርዱ። ነዚ ከኣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ከከም ኩነታት ጥዕንኡ: ክእቱ ወይ ከንጽጎ ይኽእል።