ዓይነት መንበሪ ፍቓድ

ንነዊሕ እዋን ኣብ ስዊስ ንምንባርን ንምስራሕን: ሓደ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ይድሊ።እዚ ፍቓድ በብዓነቱ ግዝያዊ ፍቓድ ወይ ነባሪ ፍቓድ ተባሂሉ ይፈላለ።

ናይ ፍቓድ ዓይነታት

ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊስ ዝሰርሕ ወይ ልዕሊ 3 ወርሒ ዝቕመጥ: ሓደ መንበሪ/ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልዮ። እዚ ካብ ናይ ካንቶን ናይ ስደታኛታትን ምውህሃድን በዓል ስልጣን (Amt für Migration und Integration) ይወሃብ። እዚ ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ( 1 ዓመት) ወይ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ( ንዝተወሰነ ግዜ) ወይ ከኣ ነባሪ/ቀዋሚ (ዘይተወሰነ ግዜ) ፍቓድ ክኸውን ይኽእል።

  • ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ (L):እዚ ፍቓድዚ ንሓጺር ዝተወሰነ ግዜ ( መብዛሕትኡ 1 ዓመት) ንሓደ ፍሉይ መደብ ኣብ ስዊስ ዝጸንሑ ዝወሃብ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU-/EFTA-ሃገራት: ብስራሕ ምኽንያት ንሰልስተ ክሳብ ሓደ ዓመት ( ናይ ስራሕ ውዕል) ዘቕርቡ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ።
  • ግዝያዊ ፍቓድ (B): እዚ ፍቓድዚ ንዝተውሰነ ግን ነዊሕ ግዜ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU/EFTA- ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኾኑ እንተኣረጋጊጾምን: (ናይ ስራሕ ውዕል) እንተኣቕሪቦም : እዚ ዓይነት ፍቓድ ክወሃቡ መሰል ኣለዎም። እዚ ዓይነት ፍቓድ: ንዜጋታት EU/EFTA-ንሓሙሽተ ዓመት ይወብ። ንካልኦት ግን ንሓደ ዓመት ጥራይ ይወሃብ። ድሕሪዚ ግን መናውሒ ግዜ ፍቓድ ይሕተት።እዚ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ቅድመ-ኩት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ ንኣብነት:
  • ናይ ጀርመን ቛንቛ ትምህርታ ስልጠና ንምብጻሕ።ነዚ ንምንዋሕ ረቛሒታት ስለዘየልኡ ኣይፍቀምን እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ንከይንዋሕ ዝዕንቅፉ ምኽንያታት: ዕዳ ወይ መቕጻዕቲ ገበን ምስዝህልወካ ወይ ካብ ማሕበራዊ ሓገዝ ተጠቃማይ እንተኮንካ። ብወግዒ ተፈጥነት ዘለዎም ስደተኛታት B መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም።
  • ናይ ስዊዝ መንበሪ ወረቐት/መዕረፊ (መስፈሪ)ፍቓድ ሲ(C) Niederlassungsbewilligung C (Ausweis C)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ን 5 ወይ 10 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ (ምንባር) እዩ ዝወሃብ። ኣብዚ እውን ን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ን ካብ ሳልሳይ ዓለም ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ይሕተት እዩ።
  • ንግዚያዊ ተቐባልነት ዝምልከት መንበሪ ፍቓድ(F): እዚ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሓተትቲ ዕቕባ ስደተኛታት: ከም ስደተኛታት ብወግዒ ተፈላጥነት ዘይረኸቡ ኮይኖም: ንግዚኡ ክሳብ ኩነታት ከምቲ ዝጠልብዎ ዝኸውን ዕቕባ ዝወሃቡ እዩ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ክሕደስ ኣለዎ።

ናይ ወጻእተኛታት መለለዪ መንነት

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ናይ ወጻእተኛ ካርድ መንነት ይቕበሉ(ይወሃቦም)። ዓይነት መንነት ካርድ ኣብ ዝተፈላለየ መለክዒታት እዩ ዝምርኮስ። ናይ ክረዲት ካርድ ዝመስል መንነት ካርድታትን ናይ ወረቐት መንነት ካርድታትን(ባዮሜትርያዊ ዘይኮነ ናይ ወጻኢ መንነት ካርድ)ኣለዉ (Nicht biometrischer Ausländerausweis)። ገሊኦም ሰባት ባዮሜትርያዊ መንነት ወጻእተኛ ካርድ ይቕበሉ(ይወስዱ) እዮም። እዚ መንነት ካርድ ናይ ሓበሬታ ቺፕ(Datenchip)፡ ኣሰር ኣጻብዕቲን ከምኡውን ስእሊ(ምስሊ)ኣለዎ። ሓደ መለለዪ ወረቐት ይወሃቡ። ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ናይ L,B ወይ C መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ተፈላጥነትን ተቀባልነትን ዝረኸቡ ስደተኛታት: ሓደ ናይ ባዮሜትሪ ወረቐት ይወሃቡ። ስለዚ ነዚ ንምትግባር ባዕላቶም ምስ ማእከል ሰራሒ ባዮሜትሪ ወረቐት መንነት (Erfassungszentrum Biometrie) ቆጸራ ይገብሩ። ኩሉ ናይ መንነት ወረቐት ፍቓድ ካብ መንበሪ ምምሕዳር ከባቢ ክወሃብ/ክውሰድ ይከኣል። እዚ ናይ መንነት ወረቐት ምስዝጠፍእ ወይ ምስዝስረቕ: ብቁልጡፍ ናብ ፖሊስ ምሕባር የድሊ።

ምንዋሕ ፍቓድ

ከክም ዓይነት ናይ መንበሪ ፍቓድን ናይ ስዊስ መንነትን: እቲ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ግዜ ገደብ መናውሒ ፍቓድ ይግበር። ምንዋሕ ፍቓድ ግዜ ኣብ ዝድለየሉ ግዜ (Verfallsanzeige). ነቲ ሰብ ሓደ ቅጥዒ ይለኣኾ። እዚ ቅጥዒ ተመሊኡ ምስ ዘይወደቐ ናይ መገሺ ፍቓድ ብምትሕሓዝ: ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምውዳቕ እቲ ናይ ቀደም መንበሪ ፍቓድ ናብ ምምሕዳር ከባቢ ክለኣኽ ኣለዎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ነቲ ጠለብ ምንዋሕ ናብ በዓል ስልጣን ስደተኛታትን ምውህሃድን ናይቲ ካንቶን (Amt für Migration und Integration) ይልእኮ። ኣብዚ ከኣ እቶም ንምንዋሕ ዘድልዩ ረቓሒታት ከም ዝተማልኡ ድሕሪ ምርግጋጽ ነቲ መስርሕ ምንዋሕ ይፍጽሞ። ሕቶታትን ዘይበርሁ ነገራትን ብቀጥታ ንቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ንቤት ጽሕፈት ስደተኛታን ምውህሃድን ምውካስ ይከእል።