ብሽግለታ / ብእግሪ

ኣብ ብግቡእ ዝተሓንጸጸን ዝተሃንጸን መስመር ብሽግለታ: ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብብሽግለታ ክትጉዓዝ ምቹእ ኢዩ። ብዙሓት ሞያዊያን ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ንክመላለሱ ብሽግለታ ይጥቀሙ። ንብእግሪ ዝጉዓዙ ወይ ዝዛወሩ ውን ጽቡቕ ናይ መንገዲ መስመራት ኣሎ።

ብእግሪ ወይ ብብሽግለታ (Velo) ምጉዓዝ

ናይ ካንቶን ኣርጋው ከተማታትን ምምሕዳር ከባቢታትን: ንምዝዋር ብሽግለታ ኣዝዩ ምቹእን ውሑስን ኢዩ።ንሓጺር መንገዲ ብዙሓት ሰባት መካይኖም ከምዘይናቶም ይርእይወን።ኣብ ብዙሕ ቦታታትናይ ብሽግለታ ወይ ናይ ኣጋር መንገዲ ኣሎዉ። ኣጋር ተጛዓዝቲ ኣብ ኩሉ ናይ ኣጋር ምልክት ብጫ ሕንጻጽ ዘለዎ ጽርግያታት: (ብዘይካ ናይ መንራህቲ ሴማፈሮ ምልክት ሕግታት ዘለዎ) ብእግሪ ክጛዓዙ ከለዉ ቀዳምነት ኣለዎም። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብዙሕ ናይ ብእግሪ ትዛወረሉን: ተፈጥሮ እትርእየሉን ናይ ዕረፍቲ ግዜ እተሕልፈሉን ቦታታት ንምኻድ ዘኽእል ብዙሕ መንገዲታት ኣሎ። ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝግበረሉ መንገዲ ብብጫ ሕብሪ ዘለዎ ታቤላ ተመልኪቱ ይርከብ።

ሕግታት ንዘወርቲ ብሽግለታ

ኣብ ስዊስ ብሽግለታ ንምዝዋር: ፍሉይ መምርሒ ፍቓድ ወረቐት ወይ ፈተና ኣየድልን።ሓፈሻዊ ኣብ ምምራሕ መኪና ዘለዉ ሕግታት ምኽታል የድሊ። ፍሉን ናይ ብሽግለታ መንገዲ መስመር ጽርግያ ምስዝህሉ ግን: ነዚ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ይግባእ። ብሽግለታ: ንተሽከርከርቲ ብንጹር ትርአ ክትከውን ኣለዋ፣ (ክልተ ጽቡቕ ዝሰርሕ ፍሬኖ: ቃጭል: ዘንጸባርቕ ብቅድሚትን ድሕሪትን) ናይ ርእሲ ቆቢዕ /ሄልመት ክትገብር ግድን ኣይኮነን: እንተተገብረ ግን ተመራጺ እዩ። ዘወርቲ ብሽግለታ: ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ሓደ ናይ ግዴታዊ ድሕነት ውዕል ክኣትዉ ኣለዎም። በዚ ኣብ ሰብ ወይ ንዘስዕብዎ ዕንወት ንክሽፈነሎም ውሕስነት ይረኽቡ።

ምልምማድ ምዝዋር ብሽግለታ

ምዝዋር ብሽግለታ ክላመድ ዝደሊ ሰብ: ሓደ ስልጠና ክወስድ ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ስልጠና ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብማሕበር ፕሮ ቬሎ (Pro Velo) ይወሃብ።ንስደተኛታት ዝምልከት ስልጠና ምዝዋር ብሽግለታ ኣብ ገለ ምምሕዳር ከባቢታት ብፍሉይ ይወሃቡ።ሕሱራት ዝተጠቀሙለን ብሽግለታ: ካብ ናይ ብሽግለታ ማዕከን ትካል (Velobörsen) ይርከባ።

ናይ ብሽግለታ መጉዓዝያ

ኣብ ባቡር ወይ ኣብ ኣውቶቡስ ብሽግለታ ሒዙ ክጉዓዝ ዝደሊ ሰብ: ሓደ ፍሉይ ትኬት ክገዝእ የድልዮ። ኣብ ኩሉ ቦታ ወይ ኩሉ ግዜ እዚ ተኽእሎ የሎን። ገለ ክፋል ኣብ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ንብሽግለታ ዝኸውን ቦታ ይሕዛእ።