ግጭት / ዘይምርድዳእ

ግጭት ወይ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻመድቲ ወይ ስድራ-ቤት ምስዘጋጥም: ዝተፈላለዩ ናይ ምኽሪ ትካላት ይሕግዙ። ጎነጽ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ወይ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ: ብሕጊ ኩልኩል እዩ።

ግጭት ኣብ መንጎ መጻምድቲ

ኣብ መንጎ ክልተ መጻምድቲ ወይ ስድራ-ቤት ግጭት ወይ ዘይምርድዳእ ምስዘጋጥም: እቶም መጻምድቲ ወይ ኣባላት ስድራ-ቤት: ናይ ክኢላታት ኣማኸርቲ ከይዶም ሓገዝ ክሓቱ (Eheberatung) ይኽእሉ እዮም። እዚ ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል: ዘሎ ጸገምን ሽግርን ኣብ ምፍታሕ ይሕግዙ። ናይ መጀመርታ ምዝርራብ ነዚ ዝምልከት: ብነጻ ወይ ብሕሱር ዋጋ እዩ። ኣብ ኩሉ ዞባታት: ነዚ ዝምልከት ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል ኣሎ።

ግጭት ወይ ዘምርድዳእ ናይ ስድራ-ቤት

ኣብ ገለ ቆልዑት ዘለወን ስድራቢታት ግጭት ምስዘጋጥም: ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል: ንወለድን ንቆልዑትን ከኣ ብዙሕ የሸግር።ኣብ ከምዚ ኩነታት: ወለዲ ናይ ግድን ሓገዝ ዝረኽብሉ መንገዲ ከናድዩ ይግባእ። ኣብ ናይ ወለዲ ወይ ስድራ ቤት ናይ ምኽሪ ትካላት (Familienberatungsstelle) : ብውልቂ ብምኻድ ምኽሪ ምሕታት ይከኣል። ኣብ ናይ ወለዲ ናይ ሓድጋ ተለፎን ምድዋል (Elternnotruf): ዘማኽሩ ሞያዊያን ክኢላታት: ብተለፎን ወይ ብመልእኽቲ: ናይ መዕበያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት: ዝምልከት ክንክንን: ንውላዶም ክገብርዎ ዝግባእ ነገራትን: ብቁጽሪ ተለፎን ( 0848 35 45 55) (ብነጻ: ብዘይ ገለ ክፍሊት) www.elternnotruf.ch)) ኩሉ ሓበሬታ ከርከብ ይከእል። ቆልዑትን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን: ብተለፎን: ኢ-መይል: SMS ወይ Chat ኣብ ናይ ቆልዑት ናይ ሓደጋ ምድዋል (Kindernotruf) ይውከሱ( ተለፎን:Telefon 147 (ብነጻ), www.147.ch) ምኽሪ ይረኽቡ።

ጎነጽ ኣብ ገዛ

ኣብ ስድራ-ቤት: ጎነጽ ምፍጻም: ገበንን ተነቃፊ ግዳይን ከምዝኾነ: ብወግዒ ዝፍለጥ እዩ። ጎነጽ ዝፍጽም ሰብ: መጠን ናይቲ ጎነጽ ብዘየገድስ: ብሕጊ ይቕጻዕ። ኣብዚ ኩሉ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ: ሰብእይ ወይ ውሉድ: እንተተፈጺሙ ኩሉ ከም ገበን ተራእዩ ኣብ ሕጊ ይቐርብ። ናይዚ ጉዳይ ሰበ-ስልጣን ብገዛእ-ርእሶም ኣብዚ ጉዳይ: ገለ ግጭት ወይ ጎነጽ ኣብ ስድራ-ቤት ምስዘጋጥም: ንጡፋት ክኾኑ ይግባእ። ንግዳይ ናይቲ ጎነጽ: ብነጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪን: ብእምነት ዝተሓዝ: ምስጢር ናይ ስድራ: ብምዕቃብ: ዝተፈላለየ ሓገዝ ከምዝረክብ ይግበር። ኣብ ፍሉይ መንበሪ ገዛ ወይ መዕቆቢ ገዛ(ናይ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቀንስትዮ) (Frauenhaus / Väterhaus) ደቀንስትዮ ወይ ደቂተባዕትዮ ምስ ደቆም:ንግዜኡ ክዕቆቡን: ክነብሩን ይከእል። ኣብ ናይ ደቀንስትዮ መዕቆቢ ገዛ: ናይ ጎነጽ ግዳያት ዝኾና ደቀንስትዮ 24 ሰዓት ብነጻ ብቁጽሪ ተለፎን: 062 823 86 00 ክድውላ ይከኣል። ቆልዑትን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን: ብናይ ቆልዑት ናይ ሓደጋ መድዋሊ:(Kindernotruf) ክውከሱ (ተለፎን 147 (ብነጻ), www.147.ch) ይከኣል። ለ ካብ ኣባል ናይ ስድራ-ት ምፍርራሕ ዘጋጠሞ: ብተፎን 117 ናብ ፖሊስ ክድውል ይኽእል። እዚ ነቲ ገበን ምፍርራሕ ዝገበረ ወይ ዝፈጸመ ብ: ካብ ገዛ ንነዊሕ ገዛ ከምዝወጽእ: ይግበር።