ናይ ምኽሪ ትካላት

ግአለ ናይ ምኽሪ ትካላት ሓፈሻዊ ሕቶታት ይምልሱ። ገለ ከኣ ኣብ ፍሉይ ጉዳይን ቴማን ናይ ሂወት መዳያት ብዑምቐት ይትንትኑን ይምልሱን። እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት: ካብ ዞና ናብ ዞና ይፈላለ። ከም ሕጊ እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ኢዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ብናይ ደገ ቛንቛ ኣገልግሎት ይህቡ።

ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት

ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ምውህሃድ ኣካይዳ መስርሕ Anlaufstelle Integration Aargau (AIA) ኣብ ኣርጋው ሓደ ማእከል ናይ ምኽሪ ትካል ንስደተኛታት ኢዩ።ናይዚ ትካል ሰራሕተኛታት ንሓፈሻዊ መዓልታቲ ናይ ስዊስ ንጥፈታት ዝምልከት ሕቶታት ይምልሱን ይሕግዙን። ፍሉይ ናይ ምኽሪ ትካል ንክትረክብውን ይሕግዙ።ብተወሳኪ ንሰባት ኣብ ምድላይ ንዕኦም ዝሰማማዕ ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠናን: ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎትን ይሕብሩ። ቆጸራ ብምሓዝ (ብተለፎን ወይ ብኣካል) ብዝተፈላለየ ቛንቛ ምዝርራብ ይከኣል።ብተወሳኺ ሰብ ብዘይ ቆጸራ ናብዚ ማእከል ምኻድ ይኽእል: ቆጸራ ወይ ካልእ ሓበታ ክሓትት ይኽእል። ዝወሃብ ሓበሬታን መወከሲን ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ኢዩ። ኣብ ጎድኒ ዚ ሓፈሻዊ ናይ ምኽሪ ትካላት: ብዝተፈላለየ ናይ ደገ ቛንቛ ኣብ ዝተውሰነ መንበሪ ቦታታት ሓላፍነት ወሲዶም ኣገልግሎት ዝህቡ ኣለዉ። ኣብ መንበሪ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ኣብ ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ምውህሃድ ኣካይዳ መስርሕ Anlaufsstelle Integration Aargau AIA ብዛዕብዘን ናይ ምኽሪ ትካላት ምውካስ ይከኣል። ብተወሳኺ ናይ ስደተኛታት ማሕበር: ንጹር ሓበታ ብዝርድኣካ ቛንቛ ንምርካብ ኣገዳሲ ቦታ ኢዩ።

ናይ ከባቢ ምምሕዳር / ናይ ከተማ ምምሕዳር

ኣብ ብዙሕ ኩነታት ምምሕዳር ናይ ትነብረሉ ከባቢ (Gemeindeverwaltung, Gemeindeverwaltung / ናይ ከተማ ምምሕዳር , Stadtverwaltung) እቲ ዝበለጸ ናይ መጀመርታ መጀመሪ መስርሕ ኢዩ። ኣብ ዚ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኩሉ ሕቶታት ብቀጥታ ይምልሱ ወይ ናብ ዝምልከቶ ይመርሑ። ኩሎም ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ኣለዎም። ኣብዚ ኢንተርነት ኣድራሻ ኩሉ መወከሲ ኣድራሻ: ናይ ስራሕ ሰዓታት: ናይ ምኽሪ ዝርዝራት ብከፊል: ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎታት ኣብቲ ከባቢን ይሕብር።

ፍሉይ ሞያዊ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከላት

ኣብ ካንቶን ኣርጋው ዝተፈላለየ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎታት: በብዛዕባኡን ከከም ናይ ናብራ ኩነታቱን ተቐሪቡ ይርከብ። ንኣብነት: ዕድመ: ስራሕ: መንበሪ ገዛ ወይ ኣስቤዛ: ስልጠና: ሓዳር/ ፍትሕ: ምዕባይ ቆልዓ: ስድራቤት: ገንዘባዊ ቁጠባ( ዕዳን/ባጀትን): ጥዕና: ጎነጽ/ግጭት ኣብ ገዛ: ምውህሃድ: ስነ-ኣእምሮእዊ ጸገም:ክንክን ምጥባው ሕጻን: ጥንሲ: ጾታዊ ርክብ: ወልፊ: ማሕበራዊ ሕቶታት ዝኣመሰሉ። እቲ ኣገልግሎት ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለ። ቀዳማይ ግ ዝወሃብ ናይ ምኽሪ ኣልግሎት ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይወሃብ። ኣብ ገለ ከባቢ ዘይርከብ ኣገልግሎት: ኣብ ማእከላይ ናይ ምኽሪ ትካል ናይ ከተማ ኣራው ወይ ባደን ይርከብ። ብተወሳኺ ሰብ ናብ ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ምውህሃድ ኣካይዳ መስርሕ Anlaufstelle Integration Aargau AIA ወይ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ንዝምልከቶም ናይ ምኽሪ ትካላት ክውከስ ይከኣል። ቛንቛ ጀርመን ጽቡቕ ዘይዛረብ: ቅድሚ ናብቲ ወሃብ ምኽሪ ምኻዱ: ብዛዕባ ተኽእሎታት ናይ ተጛማይ ምህላው ኣቐዲሙ ክሓትት ይግባእ። እቲ ዝወሃብ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ብካልእ ቛንቛ ክወሃብ ይከኣል: ኣብዚ ኩነታት እቲ ትካል ተርጛይ ክቖጽር ይከኣል።

ዓሌታዊ ምፍልላይ

ብመሰረት ውዕል ናይ ካንቶን ኣርጋው: መስርሕ ኣካይዳ ምውህሃድ ካንቶን ኣርጋው Anlaufstelle Integration Aargau AIA ሓደ ነጻ ዝኾነ ናይ ምኽሪ ትካል ኣንጻር ዓሌታዊ ምፍልላይ የካይድ። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ብምስጢር ዝተሓዝ ዘተኣማምንን ንኩሎም ነበርቲ ካንቶን ኣርጋው ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይግበር።እዚ ምኽሪ ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ብምምጻእ ወይ ብተለፎን ይወሃብ።