ቛንቛ

ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ቛንቛ ጀርመን ፈጾሞም ዘይዛረቡ ሰባት: ቛንቛ ጀርመን ክመሃሩ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣፍልጦ ቛንቛ: እቲ ቀንዲ ረቛሒ ንናይ ስራሕ ዓለምን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝጥለብን እዩ።

ላዕለውይ ጀርመን / ስዊስ ጀርመን

ኣብ ስዊስ ኣርባዕተ ሃገራዊ ቛንቛታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ: ጀርመን: ፈረንሳይ: ጥልያንን ራቶሮማኒሽን እዮም። ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ቛንቛ ጀርመን ናይ መንግስቲ ቛንቛ እዩ። እዚ ላዕለውይ ጀርመን (Hochdeutsch) ስዊስ ጀርመን (Schweizerdeutsch) ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል። ኣብ ትምህርትን ብከፊል ከኣ ኣብ ራዲዮን ተለቭዥንን ላዕለውይ ጀርመን ይዝረብ። ኣብ ጽሑፍ ከኣ ላዕለውይ ጀርመን ይጸሓፍ። ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ሰባት ስዊስ ጀርመን ብብዝሒ ይዛረቡ። ምስዚ ናይ ከባቢ ዲያለክት/ልምዳዊ ዘረባ ኩሉ ግዜ ዋላ ነቶም ጀርመናዊያን ተዛረብቲን ክእለት ጀርመን ዘለዎም ሰባት ክርድእዎ ቀሊል ኣይኮነን: ምስ ግዜ ግን ይርድኦም። ወጻእተኛታት ስዊስ ጀርመን ክዛረቡ ኣይግደዱን ወይ ትጽቢት ኣይግበረሎምን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰባት ላዕለዋይ ጀርመን ክዛረቡ ይሕተቱ።

ቛንቛ ጀርመንን ቆልዑትን

ተዛረብቲ ካልእ ቛንቛ ዝኾኑ ቆልዑት ብእዋኑ ብንኣሽትኦም ምስ ተዛረብቲ ቛንቛ ጀርመን ዝኾኑ ቖልዑት ከምዝጽምበሩን ዝላለዩን ክግበር ይግባእ። ነዚ ስነሓሳባዊ ዝኾኑ ኣብነታት ናይ ቆልዑት መውዓሊ ወይ ካልእ ፍሉይ ንወለዲን ቆልዑትን ዝወሃብ ቀረባት እዮም። ወለዲ ንደቖም ክሕግዝዎም: ምስእቶም ክዛረቡን ታሪኽ ክነግርዎምን: ደቆም ክዛረቡ ከለዉ ክሰምዕዎምን ይግባእ። ወለዲ እቲ ንሳቶም ዝመልክዎን እቲ ንዕኦም ዝስዕብን ክገብሩ ይግባእ።

ምትርጓም

ዝኾነ ሰብ ብቐጥታ ኣብ ስዊስ ምስኣተወ: ሽዑ ንሽዑ ቛንቛ ጀርመን ክርዳእን ክዛረብን ትጽቢት ኣይግበረሉን።ስለዚ ሰብ ምሉእ ርድኢት ክህልዎ ዝጥለበሉ ኩነታት ኣሎ። ብዙሓት ሓደስቲ ኣጋይሽ ዝኾኑ ሰባት ንኣዝማዶም ወይ ንፈልጥቶም ክትርጉምሎም ይሓቱ። ኣብ ዝተሓለኹን ብምስጢር ክትሓዙ ዘለዎም ጉዳያትን ምዝርራብ ኣብ ዝግበረሉ ክኢላታት ተርጎምቲ ሰባት ከምጽኡ ይድለ። ካብ ወገን ባህልን ልምድን ዝፈልጡ ናይ ወገን ተርጎምቲ ኣብዚ ጉዳይ ፍሉይ ክእለት ስለዘለዎም ባህላዊ ፍሉይነቶም ስለዝርድኡ ከኣ ተመረጽቲ ተርጎምቲ እዮም። ኣብ ብሩግ ወይ ባደን ዝርከብ ናይ ስዊስ ቀይሕ መስቀል(SRK) ወሃብ ናይ ጽሑፍ ኣገልግሎት(Schreibdienst): ኣብ ምትርጋም ጽሑፋት: ምርዳእ ጽሑፋት ደብዳቤታትን ምምላእ ፎርምታትን ሓገዛት ይጠልብ።