ግብሪ / ቀረጽ

መጠን ክፍሊት ግብሪ ኣብ ኩነታት እትነብረሉ ምምሕዳር ከባቢ ይምርኮስ። እተን ቀንዲ ካብ ውልቀ ሰባት ዝሕተታ ክፍሊት ግብሪ/ቀረጽ: ደሞዝ:ዋኒነ ንብረትን ካብ ነብሲ ወከፍ ሽያጥ ዝለዓል ቀረጽ እዮም።

ኣገባብ / ሜላ ኣከፋፍላ ግብሪ / ቀረጽ

ኣብ ስዊስ ቀረጽ ንመንግስቲ: ካንቶን: ምምሕዳር ከባቢን ንናይ ሃገር ቤተ-ክርስትያናትን ይኽፈል። እዚ ከኣ ቀጥታዊን ተይቀጥታዊን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል። እተን ቀንዲ ኣገደስቲ ቀጥታዊ ግብሪ/ቀረጽ: ደሞዝን ዋኒነ ንብረት/ትካል ኮይነን: ብቀጥታ ካብቲ ቀረጽ ክኸፍል ዘለዎ ሰብ ይቕረጽ። ዘይቀጥታዊ ቀረጽ ዝበሃሉ ካብ ሽያጥ ንብረት ከም ሽያጥ ትምባኾ: ሽያጥ ነዳዲ ዝኣመሰሉ እዮም። ኣዚ ቀረጽዚ ኣብቲ ዝሽየጥ ንብረት ይርከቡ። ንብዙሓት ናይ ቀረጽ ዓይነታት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢን ሓላፍነት ስለዝሕዝዎም: መጠኖም ካብ ምምሕዳር ከባቢ ናብ ከባቢ ይፈላለዩ። መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ብሓባር ከም ሓደ ሰብ ቀረጽ ይኸፍሉ።

ምንጪ ግብሪ / ቀረጽ

ሓደስቲ ናብ ምምሕዳር ከባቢ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት: ቀረጽ ብቀጥታ ካብ ደሞዞም: (ምንጪ ኣታዊ ግብሪ: Quellensteuer) ተቖሪጹ ይኽፈል። ንዚ ዝምልከት ምምዝጋብ ብወሃብ ስራሕ ይፍጸም።

  • መጠን ብዝሒ ቀረጽ ኣብ መጠን ደሞዝ: ብዓይነት ስድራቤት( ዘይምርዑው/ንጽል: ምርዑው: ዝተፋትሑ/ዝተፈላለዩ): ብብዝሒ ውላድን ይውሰን። ኣብ ኩነታት ስድራ ለውጢ እንተመጺኡ ንምምሕዳር ምሕባር ይግባእ።
  • ካብ ክፍሊት ምንጪ ግብሪ: ዝተፈላለዩ ምጉዳል ክግበር ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ኣብነት: ናይ ውህለላ 3ይ ዓንዲ ሕቆ/ኣብ ግዜ እርጋን ዋሕስ ዝኸውን/ : ናይ ዕዳ ወለድን ንክቡር ናይ ሕማም መፈወሲ ዝግበር ወጻኢታትን።
  • ዝኾነ ንብረት ወይ ትካል (ተንቀሳቓስን ቀዋምን) ዘለዎም ሰባት፡ ብንጹር ክሕብሩን/ክእውጁን ግብሪ ዋኒኖም ክኸፍሉን ኣለዎም።
  • ዓመታዊ ኣታዊ ደሞዝ ካብ 120,000 ፍራንክ ንላዕሊ እንተኮይኑ: ናይ ግብሪ መኽፈሊ መብሪሂ ተጌሩ: ሓደ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ (ordentliche Besteuerung) ክኸፍል ኣለዎ።
  • - ንስዊሳት/ዊ መንበሪ ወረቐት C ወይ ናይ ስዊስ ፓስ( ወረቐት መነንት) ዘለዋ / ዎ ዘተመርዓወ/ት: መብርሂ ስሩዕ ክፍሊት ግብሪ ቅጥዒ (ordentliche Besteuerung) ክመልእ ይግባእ።

ናይ ካንቶን ሰብ መዚ ኣከብቲ ቀረጽ/ግብሪ( (Kantonales Steueramt)) ንምንጪ ክፍሊት ግብሪ/ቀረጽ ዝምልከት ሓበሬታ ይህቡ። እቲ ምሕደራ ገንዘብ/ፊናንስ(Finanzverwaltung) ናይ ምምሕዳር ከባቢ: ንዋኒነ ንብረት/ትካል መብሪሂ ክፍሊት ብምሃብ ግብሪ የኽፍል።

ስሩዕ ኣከፋፍላ ግብሪ / ቀረጽ

ናይ ስዊስ መንበሪ ፍቓድ ሰ ከምኡውን ናይ ስዊስ መንነት ወረቐት ዘለዎም ሰባት: ብስሩዕ ቀረጽ/ግብሪ (ordentliche Besteuerung) ክኸፍሉ ይግባእ። ነዚኦም ክፍሊት ግብሪ ካብ ደሞዞም ብቀጥታ ኣይቑረጾምን ኢዩ። እንታይ ደኣ: ሓደ መብርሂ ክፍሊት ግብር (Steuererklärung) ቅጥዒ መሊኦም ግብሪ ብመኽፈሊ ወረቐት /ቢል ይኸፍሉ። ኣመላልኣ ቅጥዒ ናይ መብርሂ ክፍሊት ግብሪ: ንስዊሳዊያን ውን ከጽተረፈ: ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብቀሊል ዝይርዳእን ኢዩ። ስለዚ ንመጀመርታ ግዜኻ እንተኮይኑ: ነዚ ቅጥዒ ናይ ምምላእ ዝተሓጋገዙ ተምኩሮ ዘለዎም ሰባት ምሕታት የድሊ። ንስሩዕ ዓመታዊ ምኽፋል ግብሪ: ሰበስልጣን ግብሪ/ቀረጽ ናይ ምምሕዳር ከባቢ (Gemeindesteueramt) ሓላፍነት ይወስዱ።