ማሕበራዊ ሓገዝ

ማሕበራዊ ሓገዝ ንመነባበሪ ዝኸውን ውሑድ ገንዘብ ዘሎዎም ሰባት: ወይ ፈጺሞም ካብ ማሕበራዊ ድሕነት ፈጺሞም ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይብሎም ወይ ውሑድ ዝረኽቡ ይሕግዝ። እቲ ዕላማ ስባት መሊሶም ባዕሎም ክሰርሑን ነብሶም ንክእልዩን ኢዩ። እዚ ንሓደ ድሕነት/ውሕስነት ዝምልከት ኣይኮነን: እንታይ ደኣ ሓገዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኢዩ።

ማሕበራዊ ሓገዝ

ማሕበራዊ ሓገዝ (Sozialhilfe) ኣብ ስዊስ ንሕገዝ ዘድልዮም ሰባት ይሕግዝ። እዚ ነቲ መሰረታዊ ዝተሓተ ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ይሽፍን። ኣብ ርእሲዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ምኽሪ ውን ይወሃብ። እቲ ዕላማ ሰባት ብዝተኻእለ መተን ብዝቐልጠፈ ነብሶም ንክኽእሉ ካብ ተጸባይነት ብቁጠባ ነጻ ንክኾኑ ኢዩ። እዚ ናይ ማሕበራዊ ትካል ንእኹል ሓገዛት ካብ ካልእ ወገን ዝረኽቡ ሰባት: ንእብነት ጥሮታ ዝወስዱ: ካብ ዘመድ ሓገዝ ዝረኽቡ ኣይሕግዝን ኢዩ። ካልእ ኣብነት ንናይ ካብ ማዕከን ውሕስነት ናይ ስራሕ-ኣልቦ ገንዘብ/ Arbeitslosengeld/ ዝወስዱ ሰባት ኣይሕግዝን ኢዩ። እዚ ዕዳ ውን ኣይከፍልን ኢዩ: እዚ ዝወሃቦ ሓገዝ ከኣ ሰብ እኹል ገንዘብ: ምዝህልዎ ይመልሶ። እዚ ናይ ማሕበራዊ ሓገዝ ትካል ብከፈልቲ ግብሪ ይምወል።

ማሕበራዊ ሓገዝ ምሕታት

ማሕበራዊ ሓገዝ ዝሓትት: ንትካል ማሕበራዊ ሓገዝ ናይ ምምሕዳር ከባቢ t (Sozialdienst) ናይቲ ዝነብረሉ ቦታ ይውከስ።ኣብዚ ዘሎካ መጠን ደሞዝን ዋኒነ ንብረትን ዘርዚርካ ትገልጽ። ድሕሪዚ እቲ ጠለብ ይጻረ። ሰበ-ስልጣን ናይዚ ከከም ውልቀ ሰቡ ነቲ መጠን ዝወሃብ ሓገዝ ይውስኑ። ኣብዚ ንሕቕኛ ኩነታት ቁጠባኡ ዝሓብእ ሰብ: ወይ ዝኽውል ብሕጊ ይቕጻዕ። እገልግሎት ትካል ማሐራዊ ሓገዝ ጭብጥታት የረጋግጽን የቕርብን። እዚ ዘየማልእ ሰብ: እቲ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ክቑረጽ ይከእል። ኣብቲ ዝግበር ናይ ምኽሪን ሓብሬታን ዝርርብ ምስታፍ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ ሰብ ኩሉ ብወገኑ ዝማላእ ክገብር ይጥለብ: ካብ ሓገዝ ክገላገል ከኣ ይጽዕር።

ተወሳኺ ሓገዝ ንሽርክነት ወለዲ

ተወሳኺ ሓገዝ ንሽርክነት ወለዲ (Elternschaftsbeihilfe) ሓደ ፍሉይ ሓገዝ ንውሑድ ገንዘብ ዘለዎም እሞ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይወስዱ ወለዲ ኢዩ።እዚ ንእደ ወይ ኣቦ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ዕሸል ሕጻን ኣብዝውለደሉ ግዜ ንዝግበር ክንክን ዝወሃብ ኢዩ። ተወሳኺ ሓገዝ ንሽርክነት ወለዲ ንምውሳድ: ወልዲ እንተወሓደ ሓደ ዓመት ኣብ ካንቶን ኣርጋው ዝተቐመጡ ክኾኑ ይግባእ።እንተደንጎየ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ድሕሪ ሕርሲ: እዚ ሓገዝ ካብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ክሕተት ኣለዎ።