ዘይብቕዓትhttps://dev.hallo-aargau.ch/seitenverwaltung/entries/s_content/90313-invaliditaet?site=tr

ብምኽንያት ጥዕና ነዊሕ ግዜ ክሰርሕ ዘይክእል ወይ ብከፊ ጥራይ ከሰርሕ ዝኽእል ሰብ: ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግምት ብምእታው ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ብመንገዲ ናይ ስራሕ ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት ትካል ድሕነት (IV) ክረክብ ይክእል። IV ግን ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ዝኸፍል። እንታይ ደኣ ነቲ ድሕነት/ውሕስነት ዘለዎ ሰብ: ናብ ናይ ስራሕ ዓለም እንደገና ንክእቱ ወይ ንክምለስ ይሕግዝ።

ድሕነት ናይ ስራሕ ዘይብቑዕ ምኻን

ናይ ስራሕ ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት ትካል ድሕነት (IV) ሓደ ናይ መንግስታዊ ትካል ሓገዝ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት: ነዚ ወርሓዊ ከፍሊት ካብ ደሞዞም ይስላዕ። እዚ ክፍሊት ብቀጥታ ካብ ወርሓዊ ደሞዝ ይውሰድ። ወሃቢ ስራሕ ከኣ ፍርቒ ይኸፍል። ነብሶም ክኢሎም ዝነብሩ ሰባት ወይ ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዝርከብ ጨንፈር ትካል ማሕበራዊ ድሕነት (Gemeindezweigstelle der Sozialversicherungsanstalt, SVA) ተመዝጊቦም ከመይ ጌሮም ክፍሊቶም ክኸፍሉ ከምዝግብኦም ክሓቱ ይኽእሉ።

ደገፍ ወይ ሓገዝ ብመንገዲ ናይ ንስራሕ ዘይብቑዕ ዝኾነ ዝሕግዝ ናይ ድሕነት ዋሕስ

ንናይ ካብ ስራሕ ብቕዓት ዝተእልዩ ሰባት IV ዝግበር ሓገዝ ክወሃቡ መሰል ዘለዎም ሰባት: ብውሕዱ ሓደ ዓመት ካብ ስራሕ ብጥዕናዊ ምኽንያት (ኣካላዊ ወይ ስነ ኣእምሮእዊ) ደው ዝበሉ ወይ ብክፊል ጥራይ ክሰርሑ ዝኽእሉ እዮም። IV ዝኸፍሎ ሓገዝ ብመልክዕ ጥሮታ ኮይኑ ወርሓዊ ኢዩ። እዚ ግን እቲ ሰብ ብርኡይ ምኽንያት ክሰርሕ ወይ ናብ ካልእ ንጥፈታት ክዋፈር ምስዘይክእል ጥራይ ኢዩ። IV ኣብዚ ኩነታት ሰባት ንዕኦም ዝሰማማዕን ዝኽእልዎን ስራሕ ክረኽቡ ይሕግዝ። ሓገዛት ብመንገዲ IV ካብ ናይ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ማሕበራዊ ሓገዝ ትካላት ዝተሕቱ ክኸኑ ይግባእ።

ክፍሊት መመላእታ

ንመነባበሪ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ ብናይ ብቕዓት ጉድለት/ክሰርሑ ዘይክእሉ ሰባት IV ዝወሃቡ: ካብ ናይ መመላእታ ገንዘባዊ ሓገዝ (Ergänzungsleistungen) ክወሃቡ መሰላለዎም። እዚኦም ኣብ ጨንፈር ምምሕዳር ከባቢ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት /ውሕስነት ክምዝገቡ ኣለዎም። ኣብዚ ንዕኡ ዝምልከት ሕግታት መን ክፍሊት መመላእታ ይግብኦ: ብንጹር ተመዝጊቡ/ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ገንዘባዊ መመላእታ ካብ ናይ ሰርሕታኛታት ደሞዝ ዝምወል ኢዩ።