ምእላይ/ምምራሕ ቆልዑት

ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ድሕሪ ሕጻን ምውላዶም ብቕጥታ ናብ ስራሕ ይኸዱ። ምእንቲዚ ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብዙሕ ቀረባት ንክንክን ቆልዑት ዝምልከት ኣሎ። መብዛሕትኡዚ ቀረባት ክፍሊት ዝሓትትዩ።

መውዓሊ ቆልዑት

ኣብ መውዓሊ ቆልዑ (Kinderkrippen): ቆልዑት ምሉእ መዓልቲ:ብኣለይቲ ይእለዩን ይሕለዉን። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ቆልዑት ካብ ናይ 3. ወርሒ ዕድሜኦም ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝኣኽሉ: ኣብ ይእለዩ። ገለ መውዕሊ ሕጻናት: ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝበጽሑ ቆልዑትውን( ቅድሚን ድሕሪን ትምህርቲን: ኣብ ግዜ ምሳሕን) ይኣሊን ይሕዝን ኢዩ።ኣብ ናይ ምምዝጋብ ሊስታ ዝእትዉ ሕጻናት ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝኾኑ: ወለዲ ንውሉዶም: ኣቐዲሞም ከመዝግብዎም ይግባእ። ነዚ ዝምልከት ክፍሊት: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ: ገለ ክፋሉውን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ይሽፍኖ። እዘን መውዓሊ ቆልዑትን ናይ ምምሕዳር ከባቢ ቤት-ጽሕፈትን: ነዚ ዝምልከት: ሓበሬታን ምምዝጋብን ይሕብር።

መውዓሊ / መጻወቲ ቆልዑት

ብዙሓት ቆልዑት ቅድሚ ናብ ትምህርቲ ምእታዎም: ናብ ሓደ ናይ ጾወታ ጋንታ (Spielgruppe) ይኣትዉ። ኣብዚ ሕጻናት ልዕሊ 3 ዓመት ዕድሜኦም ብዘይ ወለዲ ነንሕድሕዶም ንክላለዩን ክጻወቱን ይራኸቡ። ናብዚ መውዓሊ ምኻድ ብነጻ ድልየት ዝግበር ኮይኑ: ብምርጫኻ ዝግበር ኢዩ።እዚ ነቶም ቛንቛ ጀርመን ዘይዛረቡ ቆልዑት: ኣቀዲሞም ንክለማመዱ እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ከኣ ናብ ትምህርቲ ንክኣትዉ መዳለዊ ይኾኖም።. ነዚ ዝምልከት ክፍሊት: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ: ገለ ክፋሉውን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ይሽፍኖ። እዘን መውዓሊ ቆልዑትን ናይ ምምሕዳር ከባቢ ቤት-ጽሕፈትን: ነዚ ዝምልከት: ሓበሬታን ምምዝጋብን ይሕብር።

መዓልታዊ ስሩዕ መደብ / ቅርጺ

ብከፊል: ገለ ቤት-ትምህርታት: ንቆልዑት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ይእልያን ይከናኸናን።ኣብ መዓልታዊ ቅርጺ (Tagesstruktur) ዘለውን ቤት-ትምህርታት: ቆልዑት ተመሃሮ ኣብ ግዜ ምሳሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምጽናሕ: ምስሖም ኣብኡ ክበልዑ ይከኣል።ድሕሪዚ ዕዮ-ገዛ እንተለዎም: ብሓገዝ ኣለይቲ: ክሰርሑ ይኽእሉ። ነዚ ዝምልከት ቀረባት ብወለዲ ይኽፈል። እዚ ክፍሊት: ኣብ ኩነታት ደሞዝ ወለዲ ይምርኮስ። ቆልዑት ኣብዚ: ሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ክኸዱ ይኽእሉ። እዚ ናይ መዓልታዊ ቅርጺ ዘለዎ ኣገልግሎት ምስ ናይ መዓልቲ ትምህርቲ (Tagesschulen) ሓደ ኣይኮነን: መዓልታዊ ትምህርቲ: 5 መዓልቲ ኣብ ሰሙን: ስሩዕ ፕሮግራም ትምህርቲ ክሳተፉ ኣለዎም።

ናይ መዓልቲ ስድራ: ቆልዓ ዝሕዙ ስድራ

ናይ መዓልቲ ስድራ: ቆልዓ ዝሕዙ ስድራ (Tagesfamilien) ዝበሃሉ: ንቆልዑት ኣብ ዝተወሰነ ናይ መዓልቲ ሰዓታት (መብዛሕትኡ ግዜ : ምሉእ መዓልቲ) ምስኦም ዝሕዝዎም ኢዮም።እዚ ቆልዑት ዝእለይሉ ኣገባብ: ንኣብ ሞያዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወለዲ ኢዩ። ንዚ ዝምልከት ዘከፋፍሉ ትካላት ኣብ ከባቢቲ ሞያዊያን ወለዲ ዝርከብዎ ቦታ ይርከቡ።እዘን ትካላት ምስ ኩነታት ቆልዑት ዝሰማምዑ ኣቕርቦት ይሕብሩን: ንመጠን ክፍሊት ዝምልከት: ሓበሬታን መለክዒታትን ይዝርግሑ።

ኣላይት ሕጻን / ኣብ ኣድላዪ ግዜ

ኣብ ስዊስ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት: ኣብ ኣጋ ምሸትን: ኣብ ቀዳመ-ሰንበትን: ከም ተሓዝቲ/ኣለይቲ ቆልዑት ኮይኖም ይሰርሑ። ናይ ስዊስ ቀይሕ መስቀል (SRK) ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ:ሓደ ስልጠና ዝገበሩ: ተሓዝቲ/ኣለይቲ ቆልዑ:ስም ዝርዝር ይዝርግሕን ይሕብርን። ነዚ ኣገልግሎት ዝህቡ መንእሰያት ክፍሊት ምሃብ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ዘይተሓስበ ኣጋጣሚ: ወይ ሽግር: ናይ ስዊስ ቀይሕ መስቀል (SRK) ኣብ ካንቶን ኣርጋው ናይ ሓደጋ/ኣጋጣሚ ሽግር: ተባሂሉ: ቆልዑት ይኣሊ ኢዩ። ንእብነት: ሓደ ካብ ወለዲ ኣብ ሕክምና ምስዝእቱ: እሞ ነቲ ቆልዓ ዝኣሊ ዋላ ሓደ እንተዘየሎ: ኣብዚ ይእለ። ክፍሊት ናይዚ ዝምለከት ወለዲ ይኸፍልዎÖ ገለ ናይ ጥዕና ናይ ድሕነት ትካላት: ነዚ ወጻኢታት ዝሽፍና ኣለዋ።