ቛንቛ ጀርመን ምጽናዕ

ቛንቛ ጀርመን ብትኽኽል ንምጽናዕ ናብ ስልጠና ናይ ቛንቛ ጀርመን ምስታፍ የድሊ። ንስልጠና ዝምልከት ምስ ዝተፈላለየ ኩነታት ናይ ናብራ ዝኸይድ ቀረባት ስልጠና ቛንቛ ጀርመን ኣብ ካንቶን ኣርጋው ተዳልዩ ኣሎ።

ቀረባት ስልጠና ቛንቛ ጀርመን

ንዝተፈላለዩ ወገናት ዝዓለመ ስልጠና ቛንቛ ጀርመን ኣብ ካንቶን ኣርጋው ካብ ብዙሓት ኣቕረብቲ ተዳልዩ ይርከብ። ገለ ኣቕረብቲ ናይ ንግዲ ትካላት ክኾኑ ከለዉ ካልኦት ከኣ ንብዙሕ ጉዳያት ዝዓለሙ ናይ መንግስቲ ትካላት እዮም። ናይ ላቲን ፊደላት ዘይፈልጡ ወይ ዝብርትዓም ሰባት ናይ ላቲን ፊደላት (Alphabetisierungskurs) ክምሃሩ ይከኣል። ቅድሚ ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠና ምውሳድ: ሰባት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስልጠናታትን ዋጋኡን ብንጹር ክፈልጡ ይግባእ። ንኣዴታት ምስ ሕጻናት ደቀን ዝወሃብ ፍሉይ ስልጠናውን ኣብ ብዙሕት ምምሕዳር ከባቢታት ኣለዉ። ኣደውን ደቃ ጎድኒ ጎድኒ ከምዝመሃሩ (MuKi Deutsch) ይኸውን። እቲ መወከሲ ማእከል ናይ ካንቶን ኣርጋው (Anlaufstelle Integration Aargau, AIA) ወይ እቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይዝርግሑ።

ደረጃ ምልከት ቛንቛ

ከም መምዘኒ ናይ ምልከት ቛንቛ ደረጃታት ኣብ ቛንቛ ጀርመን " ናይ ኤውሮጳ ሓባራዊ መወከሲ" (GER) ከም መወከሲ ይጥቀመሉ። ሽዱሽተ ነንሕድሕዶም ተጠሚሮም ዝስርዑ ናይ ቛንቛ ምልከት ደረጃታት ካብ A1 (ዕብየት) ክሳብ C2 (ኣዝዩ ንኡድ ኣፍልጦ) ተባሂሎም ይስርዑ።መብዛሕትኦም ናይ ቛንቛ ጀርመን ስልጠናታት ኣብዞም ደርጃታት ይቀዑ። ደረጃታት A1 ን A2ን መሰረታዊ ኣፍልጦ ቛንቛ ጀርመን ይበሃሉ። ዝኾነ ሞያዊ ስልጠና ክገብር ወይ ክወስድ ዝደሊ: መብዛሕቲኡ ግዜ B1 ወይ B2 ክመልኽን ክፈልጥን ይግባእ። ደረጃታት C1 ን C2ን ንልዕለዋይን ቀጻሊ ትምህርትን ንደረጃ ዩኒቨርሲቲን ምምሀር ከም ቅድመ ኩነት የድልዩ።

ምወላ / መምሃሪ ባጀት

ንስልጠና ቛንቛ ጀርመን ዝግበር ክፍሊት ከም ሕጊ ነብሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ስልጠና ዝወስድ ባዕሉ ክኸፍሎ ይግባእ። እቲ ዋጋ ርትዓዊን ምስቲ ዝወሃብ ስልጠና ዝዛመድን ዘዋጽእን እዩ። ገለ ገለ ስልጠናታት ግን ብካንቶን ኣርጋው ወይ ብቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይምወሉሞ በዚ ከኣ ሕሱራት ይኾኑ።