ምውህሃድ

ወጻእተኛታት ኣብቲ ዝጽምበርዎ ዘለዉ ሕብረተሰብ ንክወሃሃዱ ትጽቢት ይግበረሎም። ምስዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ: ሕግታት ክኽተሉ:ቁጠባዊ ትሕዝትኦም ብገዛእ ርእሶም ክማዕብሉን ቋንቋ ጀርመን ክጽንዑን ይግደዱ።

ኣገደስቲ መሰረታዊያን ሓረግ ሕግታት

ክኡሎም ተቐመጥቲ ስዊስ: ሕገ መንግስቲ ከስተውዕሉ ይግባእ።ንኣብነት: ማዕርነት ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ኣንስትዮን ዝምከት ሕጊ ብዝግባእ ከተግብሩ። ብተወሳኺ: ነብሲ ወከፍ ነባሪ ብዝተኻእለ መጠን ብቁጠባ ነብሱ ክኽእል። ኣብ ልዕሊዚ'ውን: ነብሲ ወከፍ ነባሪ ናይቲ ዝነብረሉ ከባቢ ቋንቋ ከጽንዕ ይግደድ።ምውህሃድ ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ: ክልቲኦም ወገናት ጻዕሪ ወይ ንጥፈት ምስዘካይዱ እዩ። ኣብዚ ኩነትዚ ከኣዩ ካብ ዜጋታት ናይዚ ሃገር ግሉጽነት ብደቂ ወጻኢ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት

መንግስቲ:ካንቶን: ምምሕዳር ከባቢ: ነብሲ ወከፍ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ወጻእተኛ: ኣብ ቁጠባዊ:ማሕበራዊን ባህላዊን ሂወት ብስሩዕ ኣገባብ ንክእቱ ብዕቱብ ይሰርሕሉ። እቶም ነበርቲ ናይዚ ከባቢ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ከኣ ብወገኖም ነዚ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት ወሲዶም ክጽዕትሉ ይግደዱ። ነቲ ዝወሃቦም ኣቕርቦት ከኣ ብዝግባእ ክምዝምዝዎን ክጥቀምሉን: ቅርቡነት ከርእዩን: ኩሎም ሰብ መዚ ነዚ ዓቢ ትጽቢት ይገብርሉ።

ተሳታፍነት ኣብ ማሕበራዊ ናብራ

ማሕበራት ኣብ ናይ ስዊስ ማሕበረሰብ ንክትውህሃድን ሰባት ክትላለን ሓደ ጽቡቕ ተኽእሎ ይህባ/የበርክታ። ብተወሳኺ ከኣ: ኣብቲ ምምሕዳር ከባቢ ዝግበር ፌስታን ዋዕላታትን ነዚ ምስ ሰባት ርክብ ንክትገብር ጽቡቕ መንገዲ ይኸፍታ። ብካልእ ወገን ግን ሓደ ሓደ ነበርቲ ስዊሳዊያን ምስ ናይ ደገ/ወጻኢ ባህልን ልምድን ሌላ ስለዘይብሎም ኣብዚ መዳይ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል: ኣብዚ ኩነት ሓደሓደ ግዜ ምቕሉል ምዃንን ዘይምሕላልን የድሊ።

መረዳእታ ወይ ሓጋዚ ሓበሬታ

ኣብ ካንቶን ኣርጋው ሓደስቲ ዝተኣታተዉ ዝተፈላለዩ ናይ መወከሲ ማእከላት ንሓበሬታን ደገፍን ንወጻእተኛታት ቅሩባት ኮይናም ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም እቲ ዝበለጸ መወከሲ ማእከል ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ እዩ። ካልእ ውን ብተወሳኺ ፍሉያት ናይ ስደተኛታት መወከሲ ማእከላት ኣለዉ። ኣብ ጎድኒቲ ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ምውህሃድ መወከሲ ማእከል: ናይ ዞባዊ መወከሲ ማእከላትውን ኣለዉ። እዚኣቶም ብዛዕባ ናብራ ኣብ ስዊስ:ዝተፈላለዩ ሕቶታት በብዛዕቦኦም ይምልሱ።ቛንቛ ጀርመን ክዛረቡ ዘክእሉ ውን ተርጓማይ ኣምጺኦም ተርጎምቲ ከም ዝረኽቡ ይግበር። እዞም ማእከላት ብዝተፈላለዩ ቛንቛታት ሓበሬታ ይህቡ። ንዝተፈላለዩ ናይ ቛንቛ ወገናት በብዝርድኦም ሓበሬታ ይረኽቡ።