መሰልን ግዴታን

ሰራሕተኛን ኣስራሒን ዝተፈላለየ መሰልን ግዴታን ኣለዎም። ብሕጊ መሰረት ንኣብነት ዝበዝሐ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ስራሕ ውሕስነትን ኣለዉ።

ናይ ስራሕ ውዕል

ኣብ ንቡር ኩነታት ናይ ስራሕ ውዕል ብጽሑፍ ይፍጸም። ናይ ቃል ውዕልውን ብሕጊ ቅቡል ኢዩ። እቲ ናይ ውዕል ስምምዕ ብሕጊ መሰረት ነቶም ግዴታታትን መሰላን (Obligationenrecht) የተግብር። ኣብዚ እቲ ዝተሓተ ደረጃታትት ስራሕ ይንጸር። በዚ መሰረት ሰባት ብዘይ ናይ ጽሑፍ ውዕል:በቲ ናይ ቃል ውዕል መሰረት ዝተፈላለየ መሰላትን ግቡኣትን ይህልዎም።

መሰል ሰራሕተኛታት

ኣብ ስዊስ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ሕጋዊ መሰላት ኣለዎም። ካብኣቶም እቶም ኣገስቲ:

  • ወሃብ ስራሕ: ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ከመዝግቦም: ናይ ሓደጋ ድሕነት ክኣትወሎም ገለ ክፋል ናይዚ ክፍሊት ክሽፍነሎምይግደድ።
  • ኩሎም ሰራሕተኛታት እንተወሓደ 4 ሰሙን ዝኽፈል ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣለዎም።እዚ ነቶም ብስዓታትን ብገለ ከፊልን ዝተቆጽሩ ሰራሕተኛታትውን ይምልከት።
  • እቲ ዝለዕለ ዝፍቀድ ናይ ስራሕ ሰዓታት 50 ሰዓት ኣብ ሰሙን ኢዩ። ኣብ ገለ ጨናፍር ግን 45 ሰዓት ኣብ ሰሙን ኢዩ።
  • ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት ካብ ኣስራሒ ክወስዱ መሰል ኣለዎም።
  • ዝሓመመ ወይ ሓድደጋ ዘጋጠሞ ሰራሕተኛ: እሞ ኣብቲ ትካል ካብ 3 ወርሒ ንላዕሊ ሰሪሑ እንተኮይኑ ንዝተወሰነ ግዜ ደሞዙ ክኽፈል መሰል ኣለዎ።
  • ነብሰ ጾር ኣዴታትን ሕጻናት ዝወለዳን: ሓደ ፍሉይ መሰል (Mutterschutz) ኣለወን።

ደሞዝ

ኣብ ስዊዝ ብሕጊ ዝተኣወጀ ትሑት ደሞዝ የለን። ይኹን እምበር ብዙሓት ትካልት ዝተሓተ ደሞዝ ዝኽፈሎ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ስምምዕ ኣለወን (GAV)። ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ ናይ ስራሕ ውዕል ተገሊጹ(ሰፊሩ) ዘሎ መጠን ጠቕላላ(ሓፈሻዊ) ደሞዝ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዝኽፈል ዝተጻረየ ደሞዝ እዩ፡ ኣቐዲሙ ግን ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት ይቑረጽ (Sozialabzüge)። ንመብዛሕቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ Bመንነት F ወይ Nናይ ሓጺር እዋን መንበሪ ፍቓድ L ወይ መንበሪ ፍቓድ ዶብ ሰገርቲ ሰራሕተኛታት G ግብሪ (Quellensteuer) ብቐጥታ ካብ ደሞዞም ይቑረጽ ።

ስንብታ ስራሕ / ውዕል

ናይ ስራሕ ስንብታ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ : ወሃብ ስራሕን ሰራሕተኛን: ነቲ ኣብ ውዕል ተወሲኑ ዘሎ ናይ ግዜ ደረት ብሕጊ ክኽተሉ ይግባእ። ብዘይ ውዕል ሕደር ዝግበር ስንብታ ግን ብፍሉይ ቅድመ ኩነት ይትግበር። ንስንብታ ዝምልከት ናይ ጽሑፍ ምኽንያት ብዝርዝር ክቕርብ እቲ ስንብታ ዝገብር ይሕተት። ንዝሓመመ: ሓደጋ ንዘጋጠሞ ወይ ነብሰጾር: ሓራስ ዝምልከት እንተኮይኑ: ኣቐዲሙ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ብፍሉይ መሰል ዝተሓለወ ኢዩ። ናይ በለጽ ወይ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ስንብታ ግን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ። ሰራሕተኛ ባዕሉ ካብ ስራሕ ስንብታ ምስዝሓትት: ኣብ ናይ ሽቕለት ኣልቦ ድሕነት ትካል ሳዕቤናት ከጋጥሞ ይኽእል።