ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽርታት

ናይ ሃንደበት ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ 24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ሓጺር ቁጽሪ ተለፎን( 3 ቁጽሪ) ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ንካልእ ቁጽርታት ከም ሕጊ መሰረት ልሙድ ታሪፍ ክፍሊት ይኸፍል።

ሓፈሻዊ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 112

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)

ፖሊስ: 117

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ።

ምክልኻል ባርዕ ሓዊ: 118

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ሰራሕተኛታት ማእከል የራኽብ።

ቀዳማይ ረድኤት / ናይ ረዲኤት ኣገልግሎት: 144

በዚ ቁጽሪዚ: ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት መእከል የራኽብ። ናይ መደወሊ ቁጽሪ 144 ህጹጽ ሓገዝን ናይ ሕክምና መኪና/ኣምቡላንስ ትጠልበሉ ኮይኑ: እቲ ኩነታት ኣስጋኢን ክትግምቶ ዘጸግምን ምስዝኸውን ኢዩ። ( ንኣብነት: ኣብ ዓቢ ሓደጋ):: ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ: ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ብቅዳምነት ምውካስ የድሊ። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ : መብዛሕትኦም ሓካይም ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ ኣለዎም። እዚ ቁጽሪ ኣብ ባዕሉ ዝምልስ ተለፎን /ኣንሰርማሽን/ ወይ ኣብ ናይ ዞባ መጽሔት ሓባሪ ተለፎናት ይርከብ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ናይ ካንቶን ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ 0900 401 501 ( ኣስተውዕል: ንሓደ ደቒቕ: 3.23 ፍራንክ ይኽፈሎ) ምውካስ ይከኣል። ኣብዚ ናይ መድሃኒትን ሕክምናዊ ምኽሪን ይረክብ: ብምቕጻል ከኣ ናብ ክኢላታት ይምራሕ( ሓኪም ወይ ሕክምና)። ባዕልኻ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ማእከል ክፍትሽ ወይ ክደሊ ይከኣል።

ተረኛ ቤት መሸጣ መድሃኒት: 0800 300 001

በዚ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ኣየናይ ቤት መሸጣ መድሃኒት ተረኛ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣገልግሎት ይህብከምዘሎ ይፈልጥ። ካብዚ ሰብ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ መድሃኒት ክገዝእ ይኽእል።

ናይ ህጹጽ ሓኪም ምድዋል: 0848 261 261

በዚኢ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ኣየናይ ሓኪም ስኒ ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን: ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይፈልጥ። ኣስተውዕል: እዚ ቁጽሪ ኣብ ቀዳመ-ሰንበትን ኣብ በዓላትን ጥራይ ይሰርሕ።

ምምራዝ: ናይ ህጹጽ መድዋል: 145

ሓደ ሰብ ብመርዚ ምስዝምረዝ: ወይ ዝተበከለ ኮይኑ ምስዝስምዖ: በዚ ቁጽሪዚ ናይ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ነዚ ምምራዝ ወይ ምብካል ዝምልከት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩን ይሕግዙን። ንሂወት ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግን ቀልጢፍካ: 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕባ ምምራዝ/ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።

ምኽሪ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ: 143

"ቁጽሪ ተለፎን143" (ዝተቐረበ ኢድ , Dargebotene Hand) ንብዛዕባ ጸገሞም: እንታይነቱ ብዘየገድስ: ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ዝደልዩ ሰባት (ብጀርመን: ብፈረንሳይ: ብጥልያን) የገልግል። ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን: ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብዚ ቁጽሪ ደዊሉ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ኢ ኣብዚ ዝግበር ዝርርብ: ብምስጢር ብምትእምማንን: ብዝኾነ ዛዕባን ኢዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰብ ንዕኡ ዝሰማማዕ ምኽሪን ሓበሬታን ይወሃቦ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከኣል።

ምኽሪ ንቆልዑት / መንእሰያት: 147

ቁጽሪ ተለፎን 147 ንቆልዑትን መንእሰያትን: ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማቶም: ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክዛረብሉ( ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣዝዩ ሽግር ወይ ኣጸጋሚ ኩነታት በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ክኢላታት 24 ሰዓታት ክርከቡ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከእል።

ናይ ወለዲ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 0848 35 45 55

ናይ ወለዲ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ (Elternnotruf) : ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት: ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት ዝምልስሉ ኢዩ። ኣብዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖም ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ምስዝመስልዎም: ንክኢላታት ይውከሱ። ኣብዚ ቁጽሪ ሰብ ገለ ቆልዑት ግዳያት ናይ ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ወይ ኣካልዊ ጸቕጢ ኮይኖም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖ ክውከስ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ። ንመድሃኒት ዝምልከት ጉዳይ እዚ ቁጽሪ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።

ኣብ ገዛ ዝፍጸም ጎነጽ / ግጭት ( ደቀንስትዮ) : 062 823 86 00

ናይ ደቀንስትዮ መዕቆቢ ገዛ (Frauenhaus) ኣርጋው ሶሎተርን: ንካብ ገዝአ ብሰንኪ ጎነጽ ወይ ግጭት ዝወጽኣ ደቀንስትዮ 24 ሰዓታት ምሉእ: ናይ ምኽሪን ሓገዝን ኣገልግሎት ይህብ። መቕርብን ክኢላታትን ኣብዚ ክውከሱ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ: ናይ ምትእምማንን ኣብ ዝደላኻዮን ይካየድ። ኣብዚ ክትውከስ ምስትደሊ: መልእኽቲ ብምጽሓፍ ክኸውን ይከኣል። ንኣብ ገዛ ዘጋጥም ግጭትን ጎነጽን ዝምልከት: ብዛዕባ ግዳያት ዝኾኑ ሰብኡትውን: መወከሲ ሓበሬታን: ቀጻሊ መስርሕን ኣብ ምዕራፍ መጻምድቲን ቆልዑትን > ግጭት ኣብ hallo-aargau.ch. ምውካስ ይከኣል።