ሃይማኖት

ስዊስ ብልምዳዊ ትውልዲ ናይ ክርስትያን ሃገር ኢያ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ወገናት ካልኦት ሃይማኖታዊ ሕብረተሳባት ዝኾኑ ኣብ ስዊስ ይነብሩ ኣለዉ። ናይ ሃይማኖት ናጽነት ውሑስን ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርትታት ከኣ ሃይማኖታዊ ሽርነት የለን።

ሃይማኖትን ሃገርን

ስዊስ ብልምዲ ብክርስትያናዊ ሃይማኖት ዝተዓብለለት ኢያ። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ምስምማዕ ናይ ካንቶን ሓላፍነት ኢዩ። ኣብ መብዛሕተአን ናይ ስዊስ ገርመን ካንቶናት: ከምኡ ውን ኣብ ካንቶን ኣርጋው እተን ናይ ክርስትያን ሃይማኖታት ከም ህዝባዊያን ሕጋዊያን ትካላት (ሃገራዊ ቤተክርስትያን , Landeskirchen)ይፍለጡ። እዚ ማለት ከኣ መንግስቲ ፍሉጥ መሰላት ይህበን። ብንጹ ንምጥቃስ: እተን ቤተክርስትያናት ካብ ህዝበን ቀረጽ ክእክባ ይኽእላ። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን: ሪፎርሚርተ ቤተክርስትያን: ክሪስት ካቶሊክ ከም ናይ ሃገር ቤተ ክርስትያናት ይፍለጣ።

ሃይማኖታዊያን ማሕበራት ኣብ ካንቶን ኣርጋው

ኣብ ጎድኒ እተን ህዝባዊያን ብሕጊ ዝተፈልጣ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት (Landeskirchen) ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብዙሓት ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ናይ ዝተፈላለየ መንገዲ እምነት ኣለዉ።መብዛሕትኦም ተቐመጥቲ ካንቶን ኣርጋው ተኸተልቲ ሓደ ዓይነት ኣንፈት ሃይማኖት ኢዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ግን ቁጽሪ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና እናዓበየ መጺኡ። ዳርጋ ሓደ ሕምሲት ካብ ነበርቲ ካንቶን ኣርጋው ግን ናብ ዝኾነ ዓይነት ኣንፈት ሃይማኖት ዝኸይድ እምነት ዘይብሎም እዮም።

ሃይማኖታዊ ናጽነት

ናይ ስዊስ ሃገራዊ ቅዋም ናይ ሃይማኖት ናጽነት የውሕስ። ነብሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ከዘውትርን ከእምንን ክስፋሕፍሕን መሰል ኣለዎ። ዋላ ሓደ ሰብ ተገዲዱ ኣብ ሓደ ሃይማኖት ክኣቱ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ሃይማኖት ዋጋ ዕዳጋ ክሳተፍ ኣይከኣልን። ሰባት ክጠራነፉ ይኽእሉ: ሃይማኖታዊ ወግዒታቶም ክገብሩ ከብዕሉን ይኽእሉዮም። ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ክውገን ወይ ክንጸል የብሉን።

ሃይማኖትን ትምህርቲን

እቲ ግቡእ መሰረታዊ ትምህርቲ ብሃይማኖት ሻራ ኣይገብርንዩ። እዚ ማለት ግን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ግን ፍልልይ ክህሉ ይኽእል። ኣብ ቤተክርስትያን ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲን" ስነ ልቦናን ሃይማኖትን" ይፈላለ ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ ሃይማኖታዊን ስነልቦናዊን ትምህርቲ ብልምዳዊ ሕቶታት ተዛዕብዮም:ንኩሎም ሰባት ይምልከቱ።እዚ ግን ኣብ መባእታዊን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ ግዴታዊ ትምህርቲ ይኾኑ። ተሳተፍቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ: ሃገራዊ ትምህርቲ ሃይማኖት ክመሃሩ ብነጻ ድልየቶም ጥራይ ኢዩ። ንኣመንቲ ካልእ ሃይማኖት: እተን ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት: ብከፊል ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ትምህርቲ የዳልዋሎም።