ክንክን ኣረግቶት

ብመንገዲ ናይ ኣረግቶት ክንክን:እቲ ናይ ጥሮታ እኹል ገንዘብ ንናብራ እኹል ከምዝኸውን ተገሚቱ ይትሕዝ። ናይ ስዊስ ናይ ክንክን ሜላ ኣትሓሕዛ ሰባት ሰልስተ ዓምድታት ውህለላ ገንዘብ ኣለውዎ።ንሳቶም ከኣ: ናይ ኣረግቶትን ሓድጎምን/ብድሕሪት ዝገድፍዎምን ክንክን (AHV): ናይ ሞያዊ ክንክን ውህለላ/ማዕከን ውህለላ ጥሮታ (Pensionskasse) ን ብነጻ ድልየት ንክንክን ኣብ ግዜ እርጋን ዝግብበር ውህለላ (3. ዓምዲ ) ኢዮም።

እርጋንን- ብድሕሪት ንዝተርፉ ሓድጊ (1ይ ዕምዲ ውህለላ, 1. Säule)

እርጋንን- ብድሕሪት ንዝተርፉ ሓድጊ ድሕነት (AHV) ሓደ ናይ መንግስቲ ትካል ኢዩ። ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ነዚ ዝምልከት ክፍሊት ክገብሩ ይግባእ።እዚ ክፍሊት ካብ ሰራሕተኛታት ካብ ደሞዞም ወርሕዊ ይቑረጽ: ወሃብ ስራሕ ከኣ ፍርቂ ይኸፍል። ነብሶም ክኢሎም ባዕሎም ዝናበሩ ሰባትወይ ስራሕ ዘይብሎም: ኣብ ጨንፈር ምምሕዳር ከባቢ: ናይ ህዝባዊ ድሕነት (Sozialversicherungsanstalt, SVA) ይምዝገቡ:ነዚ ክፍሊት ብከመይ ከምዝሽፍንዎ ከኣ የመልክቱ። AHV ጡረታ ንዝወጽኡ ሓደ ወርሓዊ ክፍሊት ይህብ። መጠን ናይዚ ብመሰረት እቲ ኣብ ግዜ ስራሕ ኣቐዲሙ ዝኽፈል ዝነበረ መጠን ገንዘብ ይውሰን። AHV ሞት ናይ ሓደ መጻምድቲ ምስዘጋጥም: ነቲ ዝተረፈ መጻምድቲ (መበለትን- ዘኽታምን) ይሕግዝ። ነብሲ ወከፍ ናይ AHV-መንነት ዘሎዎ ምስ ናይ ገዝእ-ርእሱ ናይ ህዝባዊ ድሕነት ወረቐት እዚ ክፍሊት ይወሃቦ።

ሞያዊ ክንክን (2ይ ዓምዲ, 2. Säule)

ድሕሪ ጥሮታ ምውጻእ ሂወት ብዝግባእ ንምምራሕ: AHV ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን: በዚ መሰረት ንሰራሕተኛታት ምስ ተጣየሱ ዝኸውን መከናኸኒ (ናይ ጥሮታ ማዕከን: Pensionskasse): ካብ ዝተወሰነ ናይ ደሞዝ ዓመታት ብግዴታ ዝቑረጽ ገንዘብ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ክፍሊት ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ካብ ደሞዝ ይቑረጽ። ኣብዚ እቲ ወሃብ ስራሕ ብውሕዱ ፍርቒ ይሽፍኖ።ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ነዚ ዝምልከት ክፍሊት ኣይከፍሉን ኢዮም። ብነጻ ድላዮም ግን ነዚ ክገብርዎ ይኽእሉ። ነዚ ከኣ ባዕላቶም ሓላፍነት ይወስዱ። እዚ ኣብ ናይ ጥሮታ ማዕከን ገንዘብ ዝውህለል: ምስ ኣረግካ ከም ጥሮታ ወይ ብሓደ ግዜ ይወሃብ። ኣብ ፍሉጥ ጉዳያት እዚ ገንዘብ ኣቐዲሙ ይኽፈል። ንኣብነት ትካል ክትገብር ምስትደሊ: ካብ ስዊስ ክትወጽእ ምስትደሊ: ገዛ ወይ መንበሪ ክትገዝእ ምስትደሊ ጠቕሊልካ ክወጽእ ይኽእል።

ብነጻ ድልየት ዝግበር ውህለላ 3ይ ዓምዲ

ውህለላ 3ይ ዓምዲ (3. Säule) ካብቲ ብነጻ ድልየት ዝውህለል ናይ ውልቒ ምስ ኣረግካ ክኸውን ዝውህለል ገንዘብ ኮይኑ ቀረጽ ንምቅላል ከኣ ይሕግዝ። እዚ ኣብ ባንከ ወይ ኣብ ናይ ድሕነት/ውሕስነት ትካላት ክጠራቐምይከኣል። ምስ ኣረግካ እኹል መሕለውታ ገንዘብ ንክህልወካ በዚ 3ይ ዓምዲ ውህለላ ከኣ ገንዘብ ከተጠራቕም ተመራጺ ይኸውን።

መወሰኽታ ክፍሊት

ኣረገውቶት ሰባት: ዋላ ውን ናይ ጥሮታን ናይ ምስ ኣረግካ ዝወሃብ ገንዘብን (AHV) እንተተዋህቡ: ንናብርኦም እኹል ኣይኮነን: ኣብ ከምዚ ኩነታት ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ (Ergänzungsleistungen) ይወሃቦም። ነዚ ዝምልከት ኣብ ናይ ምምሕዳር ከባቢ ጨንፈር ህዝባዊ ውሕስነት ትካል ክትውከስ ይከእል። እዚ ብንጹር ተሓንጺጹ መን ናይ መወሰኽታ ሓገዝ የድልዮ: ተጸኒዑ ይትግበር። እዚ ናይ መወሰኽታ ሓገዝ ካብ ናይ ከፈልቲ ግብሪ ገንዘብ ይምወል።