መሰልን ግዴታን ወለዲ

ሓደ ሕጻን ዝወለደ ሰብ: ብቁልጡፍ ነቲ ሕጻን ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ/ ሲቪልስታንድ/ ከመዝግቦ ይግባእ።ኣብ ዝተመርዓዉ ወለዲ: ውሉድ ኣብ ምክንኻን ዝምልከት ሓላፍነት ናይ ክልቲኦም ብቀጥታ ይምዝገብ: ኣብ ብሕጊ ዘይተመርዓዉ ግን: ነዚ ዝምልከት እቶም ወለዲ ባዕላቶም ከነጽርዎ ይግባእ።

መሰልን ግዴታን ወለዲ

ሓደ ሕጻን ዝወለደ ሰብ: ብቁልጡፍ ነቲ ሕጻን ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ/ ሲቪልስታንድ/ ከመዝግቦ ይግባእ።ኣብ ዝተመርዓዉ ወለዲ: ውሉድ ኣብ ምክንኻን ዝምልከት ሓላፍነት ናይ ክልቲኦም ብቀጥታ ይምዝገብ: ኣብ ብሕጊ ዘይተመርዓዉ ግን: ነዚ ዝምልከት እቶም ወለዲ ባዕላቶም ከነጽርዎ ይግባእ።

ናይ ኣቦነት ተፈላጥነት

ብሕጊ ዝተመርዓዉ ሰባት ምስዝወልዱ: እቲ በዓል ቤት ሰብኣይ ብቀጥታ: ከም ኣቦ ይፍለጥ። እቲ ኣቦ ኣብዚጉዳይ ምስዘይ ኣምነሉን ምስዝጠራጠርን: እቲ ኣቦነት ብሕጊ ንክነጸግ ክጠርዕ ይከኣል።እቶም ወለዲ ዘይተመርዓዉ ምስዝኾኑ ግን: እቲ ኣቦ ብቐጥታ ከም ኣቦ ኣይምዝገብን ኢዩ። ኣብዚ እቲ ኣቦ: ኣብ ምምሕዳር ከባቢኡ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ መዝገብ ዝኾነ ትካል: ቅድሚ ሕጻን ምውላዱ ወይ ድሕሪ ምውላዱ: ከም ኣቦ ተፈላጥነቱ ክምዝገብ ይከኣል። እቲ ኣቦ ነቲ ውላድ ካም ኣቦ ተፈላጥነት ክወስድ ዘይቅበሎ እንተኮይኑ ግን: እታ ኣደ ኣብ ቤት-ፍርዲ ቀሪባ ኣቦነት ከትፍልጥ ትኽእል ኢያ።

ናይ ወለዲ ምእላይ / ምክንኻን ሓላፍነት

ወለዲ ናይ ውላዶም ድሕነትን: ጽቡቕ መዕበያን: ሓልዮትን ኣተኣላልያን መዕባያ (elterliche Sorge) ዝምልከት ምሉእ መሰልን ግቡእን ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት: ንኣብነት: ኣተዓባብያ: ወይ ገንዘባዊ ሓገዝ:ኩሉ መነባብሮን እዮም። ወለዲ ንውሉዶም ኣብ ኩሉ ሕጋዊ መዳያት ክሳብ ደቂ 18 ዝኾኑ ይውክልዎም ወይ ሓላፍነት ይወስድሎም። ወለዲ ብሕጊ ዝተመርዓዉ እንተኮይኖም: ብቀጥታ መሰልን ግቡእን ንውላዶም ዝምልከት ይህልዎም። ዘይተመርዓዉ እንተኮይኖም ግን: እቲ ኣቦ ነቲ ውላድ: ከም ኣቦ ተፈልጥነት ክወስድ: ክገብር ኣለዎ። ድሕሪዚ ወለዲ ብነጻ ድልየቶም: ናይ ሓብር ናይ ውላድ ምሕላይን ምክንኻንን ብጽሑፋዊ መብርሂ ዝተሰነየ (gemeinsame elterliche Sorge) የቕርቡ። ነዚ ኣብ ናይ ህዝቢ መዝገብ: ኣብ ንውላድ ተፈላጥነት ዝወሃበሉ ግዜ: ኣብ ዞባዊ ናይ ህዝቢ መዝገብ ማእከል: ወይ ከኣ ጸኒሖም: ኣብ ናይ ዞባ ናይ ህዝቢ መዝገብ ማእከል: ኣብ ናይ ሕጻናትን ቆልዑትን ተጣበቕቲ መሰል ሰበ-ስልጣን (Kindesschutzbehörde, KESB) ኣብ ናይ ስድራቤት ቤትፍርዲ ኣብ ናይ ወረዳ ቤት ጽሕፈት: ይፍጸም። ኣብዚ እቶም ዘይተመርዓዉ ወለዲ ኣብ መዕበያን ምክንኻንን ውላድ: ዘይምርድዳእ ምስዝህልዎም: እቲ ተጣባቒ መሰል ሕጻናትን ቆልዑትን ይውስን። ነዚ ዝምልከት ሕቶ ዘለዎ ወይ ሓገዝ ዝደሊ: ኣብ ዝምልከቶም ናይ ምኽሪ ትካላት ማእከል ክውከስ ይከኣል።

መነባብሮ

ከልተ ወለዲ እንተተፈላልዮም: ነቲ ውሉድ ክከናኸንዎ: ክልቲኦም ይግደዱ: ነቲ ውሉድ ብዛዕባ መነባብሮኡ (መነባብሮኡ: Unterhalt) ክሓስቡን ክሰርሑን ይግደዱ።ነቲ ቆልዓ ዘድሊ ገንዘባዊ ጠለባትን ኣተእላልያኡን: ክልተ ወለዲ ክምድብዎ ኣለዎም። መነባብሮ ናይቲ ውላድ: ኣደን ኣቦን ይከፋፈልዎ። ክንደይን ብከመይን ነዚ ይከፋፈልዎ ንዝብል ሕቶ: ኣብ ቁጠባዊ ኩነታት ናይ ነብሲ ወከፎምን: ኣብ ምእላይ እቲ ውላድ ዘለዎም ተራን ይምርኮስ። ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ምርድዳእ እንተዘይተበጽሐ: ቤት ፍርዲ ይውስን። ዝተወሰነሉ ክፍሊት ዘይሽፍን ወገን ከኣ: ካብ ምምሕዳር ከባቢ: ሓገዝ ይሓትት። ኣብዚ ዘድሊ ሓገዝ ይግበር: ወይ ነቲ ሓገዝ ከም ኩነታት እቲ ሓታቲ ይነጽጎ። (Alimentenbevorschussung)