ምድላይ ስራሕ

ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ኣብ ስዊስ ውሑድ ሽቕለት ኣልቦነት ኣሎ። ይኹን እምበር ስስራሕ ኣብ ምድላይ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። ናይ ምስክር ወረቐትን ዲፕሎምን ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎም። ምልከት ቛንቛ ጀርመን ዳርጋ ኣብ ኩሉ ስራሓት: ሓደ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ኢዩ።

ክኢላዋ ብቕዓት

ምዝዛም ሞያዊ ስልጠና: ዲፕሎማን ቀጻሊ ትምህርታዊ ስልጠናን: ኣብ ስዊስ ኣብ ኩለን ዓውድታት ዝለዕለ ናይ ስራሕ ዋጋ ይወሃቦ። ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ: ኩሉ ግዜ ቅቡላት ከይኮኑ ይኽእሉ። ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ምድላይ ስራሕ: ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት ናይ ቀደም ወሃብ ስራሕ ኢዩ። ንመብዛሕትኡ ስራሓት ምልከት ቛንቛ ጀርመን ኣገዳሲ ኢዩ።

ስራሕ ምርካብ

ናይ ስራሕ ምልክታታት ኣብ ናይ መዓልታዊ ምክልክታታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንተርነት መስመራትን ይርከቡ። ኣብ ስዊስ ሓደ ናይ ስራሕ ክፉት ቦታ ብተሌፎን ምሕታት ዘይከኣል ወይ ክልኩል ኣይኮነን። ዋላ እቲ ትካል ምልክታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ እንትዘየውጽአ ምሕታት ይከኣል ኢዩ። ዞባዊ ናይ ስራሕ ክፉት ቦታ መከፋፈልቲ (RAV) ኣብ ምድላይ ስራሕ ይተሓባበራ። ኣብቲ ቦታ ናይ መዓልታዊ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ዝዝርግሕ ግዜጣን ናይ ኢንተርነት መድለዪ ስራሕ ኣገልግሎትን ይርከብ።

ስራሕ ምድላይ / ምምልካት

ሓደ ስራሕ ንምርካብ ከም ንቡር ሰብ ነቲ ስራሕ ብጽሑፍ የመልከት። ሓደ ናይ ስራሕ መሕተቲ ምልክታ ንምጽሓፍ ብውሕዱ ናይ ሂወት ተመክሮ ማለት ድሕረባይታ: ተገዳስነትን ተብግሶን ነቲ ስራሕ ከምትደልዮ ዝገልጽ ጽሑፍ: እንተተኻኢሉ ከኣ ናይ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዝዛዘምካሉ ምስክር ወረቓቕቲ: ዲፕሎማ ከምኡ ውን ናይ ስራሕ ልምዲ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ምቕራብ የድሊ። እቲ ወሃቢ ስራሕ ክቖረካ እንተደልዩ: ብኣካል ምስኡ ንምዝርራብ ይዕድመካ። ዝተፈላለዩ ትካላት ስራሕ ንምድላይ ኣብ ዝግበር ምምልካት ወይ ደብዳቤ ምጽሓፍ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይሕግዙ።