ተፈላጥነት ዲፕሎማ

ናይ ወጻኢ ዲፕሎማን ምስክር ወረቐትን ኣብ ስዊስ ኩሎም ቅቡላት/ተፈላጥነት ዘብሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። መርትዕታት ብምቕራብ ግን ዘሎካ ዲፕሎማ ተፈላጥነት / ቅቡል ክትገብሮ ይከኣል። ንገለ ሞያታት እዚ ናይ ግድን ኣድላዩ ኢዩ።

ተቐባልነት / ተፈላጥነት ዲፕሎማ

ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ ዘለዎም ሰባት: ሓደ ሓደ ቅድመ-ኩነት ብምምላእ: ቅቡላት ክገብርዎም ይከእል። ቅቡል ዝበሃል ዲፕሎማ: እቲ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማ: ምስ ናይ ስዊስ ደረጃ ሓደ ዋጋ ከም ዘለዎ ይረጋገጽ። ኣብቶም ብሕጊ ረቓሒታት ዝተወሰነሎም ሞያታት( ንኣብነት: ናይ ሕክምና ክኢላታት: ናይ ትምህርቲ ኽኢላታት) ነቲ ናይ ደገ ዲፕሎማ ቅቡል ክትገብሮን ብሞያኻ ምእንቲ ክትነጥፍ ብሕጊ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ ቅቡል ንምግባር ዝሰርሑ ትካላት ከከም ዓይነት ሞያ ክፈላለዩ ይኽእሉ። ሓበሬታ ካብ ሃገራዊ ናይ ዲፕሎማ ቅቡል መግበሪ ትካል (Nationale Kontaktstelle für Diplomanerkennung) ወይ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ንስልጠናን ሞያን ካንቶን ኣርጋው (ask!) ምውካስ ይከኣል።

ምርግጋጽ ደረጃ ስልጠና

ብሕጊ ኣብ ዘይተሓንጸጹ ሞያታት: ዲፕሎማ ቅቡል ምግባርን: ኣብ ስዊስ ንክትነጥፈሎምን ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን።ነዞም ሞያታት ዚኦም ናይ ደረጃ መረጋገጺ ምስክር (Niveaubestätigung) ክሕተት ይከእል። እዚ ምስክርነት ናይ ስራሕ ዋጋ ናይቲ ዲፕሎማ ኣብ ስዊስን ናይ ትምህርቲ ሜላን ኣገባብን ንምንጽጻርን ኣብ ምድላይ ስራሕ ከም ምስክርነት ይሕግዝ። ሓበሬታ ንመረጋገጺ ደረጃ ዲፕሎማ ካብ ሃገራዊ መወከሲ ማእከል ናይ ዲፕሎማ ተፈላጥነት ወሃቢ ኣካል (Nationale Kontaktstelle für Diplomanerkennung) ወይ ካብ ናይ ምኽሪ ማእከል ንስልጠናን ትምህርቲን ኣብ ካንቶን ኣርጋው (ask!) ምውካስ ይከኣል።

ምድጋም ዝተመረቕካሉ / ዝዛዘምካዮ ሞያ

ሞያዊ ተሞክሮን ትምህርቲን ዘልዎም :ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ መንእሰያት: ሒዞሞ ዝመጽኡ ዲፕሎማ ቕቡል/ ተፈላጥነት ዘይብሉ መስዝኸውን: ኣብ ስዊስ ሞያዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ወይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ደጊሞም ክመሃሩ ይኽእሉ። ናይዚ መስርሕ: ኣብ ናይ ቀደም ትምህርቶም: ሞያዊ ተመኹሮኦምን ዕድሜኦምን ይምርኮስ። ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ጀርመን (NiveauB1/B2 nach GER) ቀንዲ ወሳኒ ረቓሒ ኢዩ።ኣብዚ ጉዳይ ዝግደስ ሰብ: ኣብ ናይ ስራሕ መእተዊ ማዕጾ ናይ ካንቶን ኣርጋው (Eingangsportal Aargau) ብነጻ ሓበሬታን ምኽሪን ክረክብ ይኽእል። ዝነበሮ ሞያ ደጊመ ኣብ ስዊስ ዝመሃር: ዝያዳ ዕድል ንስራሕን ንቀጻሊ ትምህርቲን ይረክብ።