ወለዲ ምዃን

ሓደ ቆልዓ ምዕባይ ብዙሕ ሓላፍነትን ጠለባትን ይሓትት። ብዙሓት ወለዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንውላዶ እቲ ዝበለጸ እንታይ: ኢዩ ኢሎም ይሓቱ። ምስ ካልኦት ወለዲ ምትሕታት ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ ይከኣል። ብዘይካዚ ብዙሓት ናይ ምኽሪ ትካላት ኣለዋ።

መራኸቢ ቦታታት

ንኣቦታትን ኣዴታትን ምስ ካልኦት ወለዲ ተመክሮን ሓበሬታን ዝለዋወጥሉን: ደቆም ሒዞም ዘጻውትሉን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝግበሮ ኣቕርቦት ኣሎ። ገለ ኣቕርቦታት ብፍሉይ ንስዊስን ወጻእተኛታት ወለዲን ዝምድና ንክገብሩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኢዩ።

  • ንጠበውቲን ፍሑኽ ዝብሉ ክሳብ 2 ዓመት ዝዕድሜኦም ሕጻናት ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት ጋንታ ተንፍሓኽቲ (Krabbelgruppen) ዝበሃል ኣሎዉ።ኣብዚ ወለዲ ነንሕድሕዶም ይላለዩ።
  • ወለዲን ሕጻናትን ናይ ገዛ ምንቅስቓስ ስፖርት (MuKi-/VaKi-/ElKi-Turnen) ዝገብርሉን ዝዘናግዕሉን ኣገልግሎት ይህብ።
  • ኣብ ናይ ወለዲ ማእከል (Familienzentrum) ዝተፈላለየ ምርኢትን ኣኼባታትን ናይ ወለዲን ቆልዑትን ይግበር።
  • ቤተ መጻሕፍቲ ንወለዲን ቆልዑትን ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ይገብሩ።

ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ድኩም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነዚ ዝምልከት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ምውካስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ስልጠና ንወለዲ

ኣብ ካንቶን ኣርጋው ወለዲ: ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝምልከት ስልጠናታት ይሳተፉ።ኣብዚ ብፍላይ ንናይ ወጻእተኛትት ጠለባት ዝምልከቱ ስልጠናታት ይወሃቡ። ከም ኣብነት ዝጥቀስ: ብዛዕባ ናይ ስዊስ ናይ ትምህርቲ ሜላ/ኣገባብ ኢዩ። ገለ ስልጠናታት ብናይ ደገ ቛንቛ ይወሃቡ። ብዛዕባዚኦም ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ምስልጣን ወለዲ ኣርጋው "Elternbildung Aargau" ካብ ቤት ትምህርቲ ወይ ምምሕዳር ከባቢ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

ናይ መዕበያ ኣማኸርቲ

ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ብዙሕ ክፈልጥን : ሓበሬታ ክረክብ ዝደልን: ዝተፈላለያ ናይ ምኽሪ ትካላት ክውከስ ይከኣል። ኣብ ኩሉ ዞባታት: ናይ ወለዲ ኣማኸርቲ ትካላት ኣለዋ። ብተወሳኺ ናይ ኣባታዊን እናታዊን ኣማኸርቲ (Mütter- und Väterberatung) ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳር ከባቢታት: ብዞኣዕባ ኣተዓባብያ ውላድን: ናይ ኣጠባብዋ ሜላን ሓበሬታ ይህባ። ኣብ ናይ ወልዲ ህጹጽ ረድኤት ዝድለየሉ ንወለዲ : ክኢላታት እዚ ዓውዲ ብተለፎን ወይ ኢ-መይል (ተልፎን 0848 35 45 55 (ንቡር ታርፍ ዝኽፈሎ) www.elternnotruf.ch) ምውካስ ይከኣል