ጥንሲን ሕርስን

ነብሰጾር ዝኾና ደቀንስትዮ:ኩሉ እቲ ዝግበረለን ንጥንሲ ዝምልከት ኣገዳሲ መርመራ ባዕለን ክኸፍልኦ ይብለንን። ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝግበር ናይ መወልዳን ሓገዛትን ክንክንንውን: እቲ መሰረታዊ ናይጥዕና ውሕስነት ይኸፍሎ። ድሕሪ ሕርሲ ውን ወለዲ ብነጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይረኽቡ።

ንጥንሲን ሕርሲን ዝግበር ወጻኢታት ክፍሊት

ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርሲን ዝግበር ሕክምናዊ ክፍሊት እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት/ድሕነት (Grundversicherung) ይሽፍኖ። ኣብዚ እቲ ቅድሚ ሕርሲ ዝግበር ስሩዕ ተኽታታሊ መርምራ: ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝግበር ሓገዛትን ክንክንን:ከምኡ ውን ኣገዳሲ ምትሕብባርን ይጠቓለል። ነብሰጾር ዝኾና ኣዴታት ኣብ ሓኪም ወይ ኣብ ክኢላ መወልዳን ኣቐዲመን ክምዝገባ ኣለወን። ሕክምናን ክኢላታት መወልዳንን ንኣገባብ ሕርሲ ምድላዋትን (Geburtsvorbereitungskurs) ዝምልከት ስልጠና ይህባ። ነዚ ዝምልከት ንስደታኛታት ተባሂሉ ዝዳሎ ፍሉይ ስልጠና ኣሎ። ሕርሲ ኣብ ሕክምና ወይ ኣብ መውለዲ ፍሉይ ገዛ ወይ ከኣ ኣብ መንበሪ ገዛ ክኸውን ይኽእል።

ድሕሪ ሕርሲ

ኣብ ስዊስ ሓደስቲ ወለዲ ንዝኾኑ ምምካርን ምሕጋዝን ልሙድ እዩ። ነዚ ዝምልከት ንእደን ንኣቦን ዘማኽርን ዝምህርን ማእከል (Mütter- und Väterberatungsstelle) ኣሎ። እዚ ማእከል ንወልዲ ከመይ ጌሮም ንሕጻኖም ሰብእዊ ዕብየቱ: ኣመጋግባኡን ክንክንን ክከታተልዎ ይሕብርን ይምህርን። እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ብነጻ ዘይክፈሎ እዩ። ንኣገደስቲ ድሕሪ ሕርሲ ዘድልዩመርመራታት ንሓኪም ወይ ንመወልዳን ምሕባር የድሊ። ነቲ ሕጻን እንተደንጎየ ሰልስተ ወርሒ ድሕሪ ምውላዱ ካብ ሕማም: ወይ ሓደጋ ከየጋጥም ናይ መሰረታዊ ጥዕና ውሕስነት (Grundversicherung, Unfallversicherung) ክግበረሉ ይግባእ። ብዝበለጸ እዚ ቅድሚ ሕርሲ እንትተገብረ ውሑስ ይኸውን።

ክታበት

ወለዲ ንሕጻኖም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጥፎም ካብ ፍሉጣት ሕማማት ከይጥቃዕ ክኽትብዎ ይምዕእድ። ክታበት ብመሰረቱ ግዴታ ኣይኮነን።ንክታበት ዝግበር ክፍሊት እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይሽፍኖ።ሕካይም ወይ ንኣቦ-ኣደ ኣማኸርቲ ማእከል ንክታበት ዝምልከት ሓበሬታ ይህቡ።

ምንጻል ጥንሲ

ኣብ ስዊስ ኣብተን ቀዳሞት 3 ኣዋርሕ ናይ ጥንሲ ግዜ: ጥንሲ ምንጻል ይከኣል። ድሕሪተን 12 ሳምንቲ ድቂ ምሓዝ ግን ምንጻል ጥንሲ: ንኣካልዊን ስነ ኣእምሮእዊን ጥዕና ናይታ ኣደ ኣስጋኢ ምስዝኸውን ጥራይ ይፍቐድ። እዚ ኩነታት ግን ሓኪም ጥራይ መርሚሩ ክውስን ኣለዎ። ሓንቲ ኣደ ጥንሲ ምንጻል ምስትደሊ: ምኽሪ ብነጻ ክትረክብ ይከእል። ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾና ኣብ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ናይ ምኽሪ ማእከል ክውከሳ ይግባእ። ንክፍሊት ነዚ ኩሉ መድሃኒትን ምኽሪን ዝምልከት እቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት ይሽፍኖ።