ምውጋን/ምጉሓፍ ጎሓፍ

ንምእላይ ጎሓፍ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ኩሉ ምምሕዳር ከባቢ: ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታት ኣለዎ። ምፍልላይ ጎሓፍ ኣገዳሲ ስራሕ ኢዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈላለዩ መእከቢ ጎሓፍ ቦታታት ኣለዉ።

ግኦሓፍ ምፍልላይን / ደጊምካ ምምስራሕን

ጎሓፍ ምፍልላይ ንምዕቓብ ከባቢን ገንዘብ ንምቑጣብን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ካልኣይ ዝሰርሕን ከባቢ ዘበላሹን ጞሓፍ: ኣብ ሓደ ፍሉይ መእከቢ: ናይ ካርቶን/ወረቐት: ናይ ባተሪ: ናይ ጥርሙዝ: ሓምላይ ጎሓፍ: ዘይቲ: ኣጭርቕቲ: ሓጺን... እናተባህሉ ይፍለዩ:እዚኣቶም ምስቲ ናይ ገዛ ጎሓፍ ኣይሕወሱን። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ጎሓፍ ምእላይ መደባት (Entsorgungsplan) ወይ ናይ ጎሓፍ ዓውደ ኣዋርሕ (Abfallkalender) ኣለዎ። ነዚ ኩሉ ሰብ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝምዝገበሉ ግዜ ይወሃቦ። ኣብዚ መዓስ ኣየናይ ጎሓፍ ኣበየናይ ቦታ ከምዝጎሓፍ ብዝርዝር ይሕበር። ጞሓፍ ምንዳድ ወይ ኣብዘይግቡእ ቦታ ምድርባይ ኩልኩል ኢዩ። ናይ ፕላስቲግ ጥርሙዝ (PET-Flaschen) ከምኡውን ካልእ ባኮታት ኣብ ኩሉ መሸጢ ቦታታት ብዘይ ክፍሊት ክምለስ ይከኣል።

ናይ ጎሓፍ ብላስቲክ / ዝልጠፍ ማርክ / ምልክት ክፍሊት

ንካልኣይ ግዜ ክትጥቀመሎም ዘይከእሉ ጎሓፋት: ከም ናይ ገዛ መግቢ ተረፍን ጎሓፍን: ኣብ ንዕኦም ዝተዳለወናይ ጎሓፍ ፕላስቲግ ተኣኪቦም: ብሕጊ ኣብ ዝተመደበሎም ናይ ምምሕዳር ከባቢ ቦታ ይጎሓፉ። ኣብ ዋጋ ናይቲ ፕላስቲግ ወይ ኣብ ዝልጠፍ ናይ ዋጋ ማርክ ወረቐት እቲ መጙሓፊ ክፍሊት ይውሰን። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ማርክ ወይ ናይ ጎሓፍ ፕላስቲግ ኣለዎ። እዚ ካብ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ካብ ናይ ዕዳጋ ማእከል እቲ ከባቢ ይግዛእ። እቲ ናይ ጎሓፍ ፕላስቲግ ኣብ ውሱን መዓልታት: ኣብ ጎደና ይውጽእ: ወይ ኣብ ገለ ከባቢ ኣብ ፍሉይ መእከቢ ጎሓፍ ይእከብ። ካብ ዝተወሰነ መዓልቲ ወጻኢ ጎሓፍ ኣብ ደገ ምግባር ክልኩል ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቕመጥሉ ገዛውቲ: ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ጎሓፍ መእከቢ ኮንተይነር ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሕቶታት ምስዝህሉ ምምሕዳር ከባቢ ወይ ጎረት ክሕብር ይኽእል።

ፍሉይ ጎሓፍ

ፍሉይ ጎሓፍ (Sonderabfälle) ብፍሉይ ክእለዩ ኣለዎም። መርዛማት ጎሓፋት ንከባቢ ክብክሉ ወይ ኣብኡ ነዊሕ ከጸንሑ ይኽእሉ: ንኣብነት: ሕብሪ ቀለማት: ቀመማት: ባተሪ: ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ: ኤለትሪክ ዝቑጥቡ ላምባታት ልቺ: ወይ ዝወደቐ መድሃኒት ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዚእቶም ምስ ናይ ገዛ መግቢ ተረፍ ጎሓፍ ብፍጹም ክሕወሱ የብሎምን። እዚኣቶም ካብቲ ዝተገዝእሉ ቦታ ክጎሓፉ ኣለዎም። እቲ መስራሒ ወይ ኣፍራዪ ትካልን እቲ ሸያጢ ትካልን ነዚኣቶም ኣብ ምእላይን ምጉሓፍን: ካብ ተጠቃሚ ብዘይ ክፍሊት ክቕበልዎምን: ግዴታን ግቡእን ኣለዎም።