ሜላ/ኣገባብ ትምህርቲ

ናይ ስዊስ ናይ ትምህርቲ ሜላ/ ኣገባብ ሓደ ዘላቒ ቀጻልነት ዘለዎ ሰብኣዊ ዕብየት ክእለትን ዓቕሚን ክምጽእ ዝኽእል መንገዲ ኮይኑ ዝትሓንጸጸ ኢዩ። ሓደ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ትሕተ ቅርጺ እቲ ናይ ሞያ ስልጠና እዩ። እዚ ንዝለዓለ ዓውደ ስልጠና ወይ ንዩኒቨርሲቲ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሰረት ዝስርት እዩ።

ኣመሰራርታ / ኣቛውማ ሓላፍነት

ኣብ ስዊስ ሰለስተ ኣብ ሕድሕድ ዝተመስረቱ ናይ ስልጠና/ትምህርቲ ደረጃታት ኣለዉ።

  • ግዴታዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ( Volksschule: Kindergarten, Primarschule und Sekundarstufe I)
  • ሞያዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ወይ ማእከላይ ትምህርቲ (Sekundarstufe II)
  • ላዕለዋይ ክኢላዊ /ዩኒቨርሲቲ ከምኡውን ላዕለዋይ ስልጠናዊ ትምህርቲ( Tertiärstufe)።

ንኩሎም ደረጃታት ትምህርቲ መንግስቲ ሓላፍነት ይወስድ። ነዚ ዝምልከት ስርሓትን ሓላፍነትን: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ: ካንቶን ምምሕዳር ከባቢ ይከፋፈል። በዚ መሰረት ከኣ ሜላ/ ኣገባብ ትምህርቲ ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ።

ግዴታታት ትምህርቲ

ግዴታዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ካንቶን ኣርጋው: 11 ዓመት ይወስድ። እዚ እቲ ውላድ ወዲ 4 ዓመት ምስኮነ ይጅምር። ቆልዑት ብዘይ ገለ ምኽንያትን ብዘይ ምሕባርን ትምህርቲ ምስዘይከዱ: ወልዲ ይቕጽዑ። ሓደስቲ ሰፈርቲ ናይት ቦታ ምስዝኾኑ: መንእሰያት ክሳብ 16 ዝዕድሜኦም ኣብቲ ግዴታዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ክኣትዉ መሰል ኣለዎም። ደንጉዮም ናብ ስዊስ ዝኣተዉ መንእሰያት ካብ ናይ ትምህርታዊን ናይ ስልጠናን ናይ ምኽሪ ትካላት ኣብ ካንቶን ኣርጋው:(ask!) ንሞያን ካልእን ዝምልከት ሓበሬታ ክረኽቡ ይከእል።

ስልጠና ድሕሪ ግዴታዊ ትምህርቲ

ዳርጋ ኩሎም ተመሃሮ መንእሰያት:እቲ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ ምፍጻሞም: ሓደ ቀጻሊ ሞያዊ ትምህርቲ/ስልጠና ይዛዝሙ። ብፍላይ ብዙሓት መንእሰያት ተመሃሮ ዝወስድዎ ውሳኔ: ሞያዊ ስልጠናዊ ትምህርቲ (Berufslehre)ይመርጹ። እዚ ኣብ ቀጻሊ ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ስልጠና መንገዲ ይኸፍት። ኣብ ግዜዚ ስልጠና ሞያዊ ብስለት ዝእምት (Berufsmaturität) ዝገብር መንእሰይ: ኣብ ቀጻሊ ሓደ ላዕለዋይ ስልጠና ትምህርቲ (Fachhochschule) ክኣቱ ይኽእል። ብሓርፋፍ ገምጋም 20 ሚእታዊት ናይዞም መንእሰያት ሞያዊ ብስለት ጂምናዝዩም (gymnasiale Maturität) ይዛዝሙ እሞ ናብ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምቕጻል ዕዳል ይረኽቡ።

ምወላ ንትምህርቲ

ትሑት ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብምወላ (Stipendien) ትምህርቲን ስልጠናን ክጠናቕቑ/ ክውድኡ ይኽእሉ።ኣብዚ ናይ ሓገዝ ክፍሊት ንስልጠና እቲ ድሕሪ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ዝነብሩ ወጻእተኛታት ናይዚ ዕድል ምወላ ተጥቀምቲ ይኾኑ።እዚ ግን ኣብ ዜግነትን መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዊስን ናይቲ ተመሃራይ ወይ ወለዲ ከም ረቓሒ ኣብ ግምት ይእቱ። ዝያዳ ሓበሬታ እቲ ክፍሊ ምወላ (Sektion Stipendien) ናይ ካንቶን ምምሕዳር ይዝርግሕ።