ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕን በዓላትን

ኣብ ስዊስ መብዛሕትኡ ድዃናት ሰንበት ይዕጸዉ። ከይተዕጽዉ ዝውዕሉ ኣብ መደበር ባቡራት ዝርከቡ ድዃናት ኣዮም። ሕጋዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲታት ኣብ ካንቶን ዝሕገጉ እዮም።

በዓላት

ህዝባዊ በዓላት ብሕጊ ልክዕ ከም ሰንበት ይኽበሩ። ሓደ ነሃሰ (ሃገራዊ በዓል) ኣብ ምሉእ ስዊስ ብሕጊ ህዝባዊ በዓል ኢዩ። ብተወሳኺ ነብሲ ወከፍ ካንቶን ሾመንተ ካልኦት ህዝባዊ በዓላት ይውስኑ። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ህዝባዊ በዓላት ብወረዳ ደረጃ ይውሰኑ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ወረዳ ትሽዓተ ብወግዒ ዝፍለጡ ህዝባዊ በዓላት ኣለዉ። ሓሙሽተ ካብዚኦም ኣብ ምሉእ ካንቶን ኣርጋው ይበዓሉ። እዞም ኣብ ምሉእ ካንቶን ኣርጋው ዝበዓሉ ህዝባዊ በዓላት: ሓድሽ ዓመት( 1. ጥሪ): ዓርቢ ስቕለት( ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ): ዕርገት( ሓሙስ 40 መዓልቲ ድሕሪ ሰንበተ ትንሳኤ): ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት( ሓደ ነሃሰ):በዓል ልደት( 25. ታሕሳስ) እዮም።

ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕ ድዃናት

ሰዓታት ምኽፋት/ስራሕ ድዃናት: ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓታት የሎን። ከም ስነ-ሓሳብ ነብሲ ወከፍ ድዃን ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም እንተ ደልዩ ስራሕ ክኸፍት ወይ ክዓጹ ድላዩ ክገብር ይኽእል። ቀዳም መብዛሕትኦም ድዃናት ካብተን ካልኦት መዓልታት ኣቐዲመን ይዓጽዋ። ኣብ መደበር ባቡራት ዘለዋ ድዃናት ግን ኩሉ ግዜ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ክፉታት ኮይነን: ኣንጊሀን ይኸፍታ: ደንጊየን ከኣ ይዓጽዋ።

ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕ ህዝባዊ ምምሕዳር

ናይ ካንቶን ምምሕዳር ከም ሕጊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ: ካብ ሰዓት 8.00 ክሳብ ሰዓት 12.00 ን ካብ ሰዓት 14.00 ክሳብ ሰዓት 17.00 ን ይኽፈት። ገለ ትካልት ኣቐዲመን ሰዓት 13.30 ይኸፍታ: ወይ ብተሌፎን ንነዊሕ ግዜ ይርከባ። ሰዓታት ምኽፋት ናይ ምምሕዳር ከባቢታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም። ብዝያዳ ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣዝዮም ዝተወሰኑ ኢዮም። ስለዚ ቅድሚ ናብ ቤት ጽሕፈር ምምሕዳር ከባቢ ምኻድ ኣብ ኢንተርነት ናይ ምኽፋት ሰዓታት ኣቐዲምካ ምፍላጥ ይምረጽ።