ናይ መምርሒ / ምዝዋር ተሽከርከርቲ ፍቓድ

ኣብ ስዊስ መኪና ወይ ሞተርሳይክል ንምዝዋር: ሓደ ዘይወደቐ መዘወሪ/መምርሒ ፍቓድ ወረቐት የድሊ።ናይ ወጻኢ ወይ ናይ ደገ ምምርሒ ፍቓድ ወረቐት ኣብ ስዊስ ምስኣቶኻ ክሕደሱ ወይ ናብ ንያ ስዊስ ፍቓድ ክቕየሩ ኣለዎም።

ንኣይ ወጻኢ / ደገ ናይ መምርሒ / ምዝዋር ተሽከርከርቲ ፍቓድ

ኣብ ስዊስ ክነብር ዝመጽእ እሞ ኣቐዲሙ መምርሒ ፍቓድ ምምዝዋር መኪና (Führerausweis) ዘለዎ :ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ ነቲ ፍቓድ ናብ ናይ ስዊስ ክቐይሮ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ናይ ካንቶን ናይ ጎደና ተሽከርከርቲ በዓል መዚ (Strassenverkehrsamt) ናይ ጽሑፍ ጠለብ/ዶማምዳ ከቕርብ ኣለዎ። ከከም መበቖል ሃገር: ናይቲ መምርሒ ፍቓድ ዝተውህበሉ: እቲ መምርሒ ምልዋጥ ፍቓድ ይፈላለ። ኣብ ገሊኡ ናይ ምዝዋር ፈተና ይግበር: ወይ እቲ ሓታቲ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ክገብር ይሕተት። ብዓል- ስልጣን ናይ ጎደና ተሽከርከርቲ: ናይ ካንቶን ኣርጋው ዝያዳ መወከሲን ሓበሬታን ይዝርግሕ።

ናይ ምዝዋር / ምምራሕ መኪና ክእለት ፈተና

ኣብ ስዊስ ሓደ ፍቓድ መምርሒ/ ምዝዋር መኪናንምውናን: ንዕኡ ዝምልከት ፈተና ምግባር ኣድላዪ ወይ ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ፈተና ናይ ክልሰ-ሓስብን ናይ ተግባርን ፈተና የጥቓልል። ኣብዚ ፈተና ክሳተፉ ዝፍቀደሎም ሰባት ካብ 17 ዕመት ናላዕሊ ጥራይ ኢዮም። ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ብጣሊያን ጥራይ ይግበሩ።ነዚ ዝምልከት ቅድመ-ኩነትን ኣገባብ ኣተገባብራ ቅደም ተኸተልን: ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ጎደና ተሸከርከርቲ በዓል ስልጣን ምውካስ ይከእል። ዓባይ መኪና/ላስትዋገን/: ኣውቶቡስ: ታክሲ ንምዝዋር: ፍሉይ ፈተና የድሊ።