ግዴታዊ ትምህርቲ

ግዴታዊ ትምህርቲ ንቆልዑ መሰረታዊ ትምህርቲ: ንኣብ ቀጻሊ ዕብየት ግዕዞኦም ዘድሊ ፍልጠት የበርክት። ህዝባዊ ቤት ትምህርቲታት ብነጻ ይወሃቡ።

ምዝገባ ቆልዑት

ንስርሓት ህዝባዊ ቤት ትምህርቲቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ምሉእ ሓልፍነት ይስከም። ንሓደ ቆልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንክምዝገብ: ወለዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ወይ ናብ ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይግባእ።

ደረጃታት ትምህርቲ

ግዴታዊ ትምህርቲ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ ደረጃታት ይኽፈል :

  • መዋእለ ሕጻናት (Kindergarten) ክልተ ዓመት ዝጸንሕ:
  • ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ (Primarschule) ንሽዱሽተ ዓመት ዝጸንሕ። ፍሉይ ጠለባትን ንጥፈታት ድልየትን ዘለዎም ቆልዑት: ፍሉይ ሓገዝ ይግበረሎም።
  • ላዕለዋይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Sekundarstufe I) ሰለስተ ዓመት ይወስድ። ኣብዚ ደረጃ ትምህርቲ ሰልስተ ዓይነት ትምህርቲ ኣለዉ(Realschule, Sekundarschule, Bezirksschule)። ዝተፈላለዩ ደረጃ ንጥፈታት ከኣ ኣለዎም።

ቛንቛ ጀርመን ዘክእሉ ቆልዑት: ኣብ ኩሉ ደረጃታት ፍሉይ ሓገዝ ይግበረሎም።
ንዝያዳ መላለዪ ዝኸውን ሓበሬታ ኣብ መጽሔት "ቤት ትምህርታት ካንቶን ኣርጋው" der Broschüre "Die Schulen im Kanton Aargau"ይርከብ።

ህዝባዊ / ናይ ውልቂ ትምህርቲ

ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ይወሃቡ። ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብሓባር ይመሃሩ። ኣቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ካብ ዝኾነ ናይ እምነት ጸግዒ ነጻ ኢዩ። መብዛሕትኦም ቆልዑት ነዚ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ይዛዝሙ(95%)። ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ውን ኣሎ። ወለዲ ንደቆም ናብ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ምስዝሰድዎም: መምሃሪ ክፍሊት ከም ሕጊ ባዕሎም ይኸፍሉ።

ምአሰልን ግቡእን ወልዲ

ቤት ትምህርቲን መምህራንን ንወለዲ ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታት ውላዶም ክሕብርዎም ይግደዱ። ነዚ ከእ ንወልዲ ምዝርራብ መደብ( ኣብ መንጎ መምህርን ወለዲን): ናይ ወለዲ ምሸት ( ሓበሬታ ናይ ቤት ትምህርቲ ንወለዲ) ከምኡውን ናይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ መዓልቲ ይግበር። እዚኦም ንወለዲ ቀንዲ ዘይተርፉ ግድነታት እዮም። ወለዲ: ውላዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ብቀጻሊ ክኸይድ ምሉእ ሓላፍነት ይስከሙ። ውላድ ኣብ ትምህርቲ ክሳተፍ ዘይክእል እንተኮይኑ( ብምኽንያት ሕማም): ወለዲ ብዛዕባዚ ንቤት ትምህርቲ ክሕብሩ ይግባእ። ውላዶም ዕዮ ገዛ ንክገብር ተገዲሶም ክከታተልዎ ይግባእ። ወለዲ ብተከታታሊ ንውላዶም ብስራሕ ትምህርቱን ዕዮ ገዛን ምስዝቆጻጸርዎን ተገዳስነት ምስዘርእይዎን: ኣብ ትምህርቱ ዓቢ ሓገዝ ይኾኖ። ምስ ናይ ስዊስ ናይ ትምህርቲ ሜላ ንዘይተኣማመኑሉ ሰባት: ፍሉይ ናይ ሓበሬታ መዓልቲ ኣሎ:እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብካልእ ጀርመን ዘይኮነ ቛንቛ ይወሃብ።

ሕቶታት / ሓገዛት

ንትምህርቲ ዝምልከት ሕቶታት: ወለዲ ኩሉ ግዜ ንመምህራን ቤት ትምህርቲ ክሓቱ ይግባእ። ኣብዚ ዝያዳ ሓገዝ ምስዘድልዮም ክረብሕሉ ይኽእሉ።መምህራን ብወገኖምውን ተማሃራዮም ጸገማት ወይ ፍሉይ ሕቶታት ምስዝህልዎ ንወለዲ ክውከሱ ይግባእ። ብሓፈሻኡ ወለዲ ምስ መምህራን ርክብ ክገብሩ: ብጥብቕ ብሓባር ክሰርሑን ክመያየጡን ኣገዳሲ ረቓሒ ኢዩ። ንስነ ኣእምሮእዊን ማሕበራዊን ናብራ ጸገማት ዝምልከት ብተወሳኺ ናይ ቤት ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍልጠት ኣገልግሎት (Schulpsychologischer Dienst) ንወለዲን ቆልዑት ብነጻ ይሕግዝ።