ናይ ዕረፍቲ ግዜ/ነጻ ግዜ

ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ነጻ ግዜኻ ተሕልፈሎም ብዙሓት ሰሕባቲ ተኽእሎታት መዘናግዒ ኣለዉ። ኣብዚ ማሕበራት ፍሉይ ግደ ኣለወን። እዚአን ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ንክትላለ ይሕግሑ።

ማሕበራት

ብዙሓት ተቕመጥቲ/ነበርቲ ካንቶን ኣርጋው: ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት (Verein) እዮም።ንዝተፈላለዩ ድልየታት ዝዓለሙ ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ: ናይ ስፖርት: ናይ ባህሊን ካልእን ማሕበራት ኣለዋ።እዚእተን ሓደ ጭቡጥ ኣመት ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ የሰጉማ።መብዛሕተአን ማሕበራት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን።ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ኣድራሻ ናይዘን ማሕበራት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።.

ኣቕርቦት ንመንእሰያት

ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ንመንእሰያት ብዙሓት ፍሉያት ምስ ክውንነቶም ዝኸዱ ቀረባት: ነጻ ግዜኦም ዘሕልፍሉን: ነባሪ ሌላ ዝምስርትሉን ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፈሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራዊነቶምን ንከርእዩ: ፕሮጀክትታት ንክገብሩ ይተባብዑ(Jugendarbeit)። እዞም ቀረባት ከም ሕጊብነጻ ይወሃቡ። Mኣሕበር መንእሰያት: ብሓባር ብማዕረ ንጥፈታት ንምክያድ: ኣብ ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዝ። ነዞም ቀረባት ዝህቡን ሓላፍነት ዝስከሙን: ማሕበራት: ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢን ቤተክርስትያናት እዮም። እዞም ቀረባት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ምብርሂ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ዙረትን ባህልን

ካንቶን ኣርጋው ብዙሓት ተኽእሎታት ዙረትን ሃብታም ባህላዊ መዘናጊዒታትን ቀሪባ ትርከብ። ካብዚኦም ህቡባት ዝኾኑ ናይ ቀደም ታሪኻዊያን ከተማታት: ደርቢታት ናይ ጥንቲ: ታሪኻዊ መካበቢያን: ወሓይዝን ዓበይቲ ቀላያትን ጸሓያዊ መሕምበሲን እዮም። ኣብ ርእሲዚኦም ብዙሓት ብእግሪ ትዛወሮምን ብሽግለታ ትዝውረሉን ቦታታት ኣለዉዋ። ብዙሓት ቤተ መዘክራት: ናይ ዝተፈላለዩ ቅርስታት ምርኢት የበርክቱ። ኣብ ምሉእ ስዊስ ተፈላጥነት ዘለዎም: ናይ ካንቶን ኣርጋው ናይ ስነ ጥበብ ማእከልን እቲ Stapferhaus ኣብ ሌንዝቡርግ ዝርከቡ ኢዮም።ናይ ኣራጋው ናይ ቱሪዝም (Aargau Tourismus) ብዛዕባዞም ናይ ዙረትን ምብጻሕን ተኽእሎታትን ናይ ምርኢት መደባትን ይሕብር። ሓበሬታ ንህሉዋት ምርኢታት ዝምልከት ኣብ ናይ ውሽጢ ካንቶን ኣርጋው ጋዜጣታታት ይርከብ።

ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ

ናይ ነጻ ድልየት ስራሓ (Freiwilligenarbeit) ሓደ ትካላዊ ዕዮ ንድሕነት ደቂ-ሰባትን ከባቢን ኮይኑ ደሞዝ ዘይክፈሎ ኢዩ። ብዙሓት ዕዮታት ኣብ ስዊስ ብልምዲ ከም ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ይውሰዱ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ስራሕ/ዕዮ ብማሕበራት ተወዲቡ ይትግበር። በዚ መሰረት ሰባት ኣብ ማሕበራት: ንባህሊ: ስፖርቲ: ማሕበራዊ ርክባት: ስልጠና: ምጥባቕ መሰል እንስሳታትን ምዕቃብ ከባቢን: ጥዕናን ኣብ ካልእ ዝተፈላለዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ኣብ ምፍጻም ይጽመዱ። ሓበሬት ንብነጻ ድልየት ዝስርሑ ነገራት: ምስታፍ ተኽእሎታትን: ትካላት ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ማእከላት ከም በኖተል/ Benevol/: ካሪታስ / Caritas/ ናይ ኣርጋው ወይ ቀይሕ መስቀክ ናይ ስዊስ (SRK) ኣብ ኣርጋው ይዝርጋሕ።

ስፖርቲ / ባህሊ / ስልጠና

ብናይ ባህላዊ ሌጊ Kulturlegi-Ausweis / መንነት ወረቐት: ብውሑድ ገንዘብ: ናይ ስፖርቲ:- ናይ ባህሊናይ ስልጠናን ንብረት/ክዳውንቲ ምግዛእ ይከኣል። እዛ ካርድዚኣ ካብ ካሪታስ ሓቲትካ ክትወሃብ ይከእል። ካሪታስ ብዛዕባዚ ሓብሬታ ይህብን መን ነዚ ኩልቱርሌጊ ናይ ምውሃብ መሰል/ግቡእ ከምዘለዎ የረጋግጽ።