ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት

ዝኾነ ዕቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት ክገብር ኣለዎ። እዚ ሓደ ሰብ ብዘይምፍላጥ ዕንወት ምስዘስዕብ ንዝመጽእ ክፍሊት ይሽፍን።

ሰብኣዊ ተሓታትነት

ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ምስ ዝጎድእ: ወይ ኣብ ልዕሊ ካልእ ግድኣት ምስዘኸትል: እቲ ካልእ ሰብ ነቲ ጉድእት ዘውረደሉ ብሕጊ ይሕቶ። ነዚ ዝግበር ክፍሊት ብዙሕ ክከውን ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣብ በረድ ሸተት ክብል ከሎ ንካልእ ሰብ ምስዝጎድእ: ኣማኢት ኣሽሓት ዕዳ ክሕተት ይከኣል።

ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት

ኣብ ዕንወት ዘስዕብ ሓደጋ ትፍጽመሉ ግዜ ንዘጋጥም ጸገማት : እዚ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት (Privathaftpflichtversicherung) ይድልየካ። ነዚ መብዛሕትአን ናይ ውልቂ ናይ ድሕነት ትካላት ከም ኣማራጺ ይበርክታ። እዚ እዚ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት ንኩሎም ኣባለት ስድራ ቤት ብሓባር ክእቶ ይከኣል። እዚ ናይ ድሕነት ውዕል ናይ ግድን ኣይኮነን ክትኣትዎ: ግን ኣዝዩ ተመራጺ እዩ።

ስርሓት ናይ ድሕነት

እዚ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት: ንዘጋጥን ናይ ንብረትን ናይ ሰብን ክሳራ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ንዘኸትሎ ይሽፍን። ኣብዚ ናይ መዕረዪ ወጻኢታት: ምሕወዪ ወጻኢታት: ናይ ደሞዝ ክሳራታት: ወይ ናይ ቃንዛ መሕወዪ ወጻኢታት ይጠቓልል። እዚ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት:እንስሳ ዘቤት ዘስዕብዎ ክሳራታት ውን ይሽፍን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ዘብሩ ዘስዕብዎ ክሳራታት ግን በዚ ናይ ውልቀ ተሓታትነት ግዴታዊ ድሕነት ኣይሽፈንን ኢዩ። ኣብዚ ሰብ ኮነ ኢሉ ንዘስዕቦም ክሳራታት ኣይሽፍንን ኢዩ።