መጻምድቲ

ኣብ ስዊስ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ብሓባር ከም መጻምድቲ ኮንካ ምንባር ቅቡል እዩ። ንክትምርዓው: ብውሕዱ 18 ዓመት ክመልእ ኣሎካ። እቶም መጻምድቲ ክልቲኦም: ሓደ ዓይነት መሰልን ግቡእን ኣለዎም።

ብሓባር / ብሓንሳብ ምንባር

ናይ ብሓንሳብ ከም መጻምድቲ ኮንካ ምንባር መልክዕ ኣብ ስዊስ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ተቐይሩ። ከም ዝውቱር ክልተ ዘይተመርዓዉ መጻምድቲ: (ብሓንሳብ ዝነብሩ መጻምድቲ: Konkubinat) ኮይኖም ምስ ናይ ሓባር ደቆም ብሓንስብ ክነሩ ልሙድ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ምክፍፋል ኣብ መንጎ ኣቦ ወይ ኣደ የለን። ሓደ ዓይነት ሕጋዊ መሰልን ግቡእን ዘሰክም ሕጋዊ ዝኾነ ብሕጊ ተፈላጥነት ዘለዎን ቅቡልን እዩ።

መርዓ / ናይ ውዕል መጻምድቲ

ኣብ ስዊስ ሓደ ሰብ ክምርዖ እንተኮይኑ: 18 ዓመት ክመልእ ኣለዎ። ክምርዖ ዝደሊ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ናይ ዞባ ምምሕዳር ከባቢ ቤት ጽሕፈት ናይ ሲቪልስታንድ (Regionales Zivilstandsamt) ከመልክት ኣለዎ። እዚ ሲቪልስታንድ ናብ ናይ መጻምድቲ መቀራረቢን መሰናድኢን መስርሕ ትካል የማሓላልፎ። ኣብዚ ከኣ ናይቶም መጻምድቲ ሓላፍነት ብንጹር ይግለጽ።ድሕሪ ምርግጋጽ ነዚ ናይ ምቅርራብ ግዜ: እቲ መርዓ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ይፍጸም። እቲ ናይ ሲቪልስታንድ በዓል ስልጣን ንመርዓ ዘድሊኩሉ ሰነዳትን: ምቅርራባትን የረጋግጽን ይሕብርን። ሓደ ካብቶም መጻምድቲ ኣብ ወጻኢ ወይ ካብ ስዊስ ወጻኢ ዝነብር እንተኮይኑ: ናብ ስዊስ ንክመጽእ መእተዊ ቪዛ ንምቅርራብ መርዓ ይሕተተሉ። ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ውን ልክዕ ከም ካልእ ሕጹያት መሰልን ግቡእን ሒዞም ይምርዓዉ።

መሰልን ግቡእን

መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ብሕጊ መሰረት ሓደ ዓይነት መሰልን ግቡእን ንክልቲኦም ብማዕረ ዝርኢ ቀያዲ ሕጊ ኣለዎም። ክልቲኦም መጻምድቲ ብነጻ ድልየት ክምርዓዉ ኣለዎም። ናይዚ ተምክሮ ዘለዎም ሰበ-ስልጣን: ዝኾነ ንመርዓ ተገዲዱ (Zwangsheirat) ዝገብር: ድሕሪ መርዓ ነቲ ውዕል ከፍርስዎ ወይ ዘይቅቡል ክገብርዎ ይኽእሉ። ንገለ ወገን: ነቲ ናይ ምግዳድ መርዓ ዝፈጸሙ ከኣ ክቐጽዕዎም ይኽእሉ። ተገዲዱ ንመርዓ ዝእተወ ኮይኑ ዝተሰምዕ ሰብ: ሓገዝ ክሓትት ይግብኦ። ነዚ ዝምከት ሓገት ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ፍሉይ ቁጽሪ ተለፎን: (062 835 47 90) ኣሎ።

ውጥን ስድራቤት

ንውጥን ስድራ-ቤት: ጥንሲን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ምኽርን ሓበሬታን: ኣብ ካንቶን ኣርጋው ፍሉይ ናይ ኣማኸርቲ ማእከል: ኣብ ኣራው ወይ ኣብ ብሩግ ምውካስ ይከኣል። እዘን ትካላት: ብእምነትን: ምስጢር ብምዕቓብን: ንክንክን ቆልዑትን :ጾታዊ ጸገማት: ዘይተደልየ ጥንሲ (ungewollte Schwangerschaften) : ወይ ናይ ብልዕቲን ኣካላት ጾታዊ ርክብ ሕማማት ዝምልከት ብነጻ የማኽሩ። እዞም ትካላት ንጀመርቲ( ዕሰላት) ወለዲ ወይ ሕጻናት ዘለዎም ሰባት የማኽሩ።

ፍትሕ/ ምፍልላይ

ምፍታሕ ክልተ መጻምድቲ: ብክልቲኦም ወይ ብሓደ ወገን ክጥለብ ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ሓላፍነት ዝወስድ: ናይ ስድራ-ቤት ተጣባቒ (Familiengericht) ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተፈጸመ ሓዳር እውን ብመሰረት ሕጊ ስዊዘርላንድ ክፋታሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ሓደ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ማእከል ህይወት ክህልዎን እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ኣብዚ ክነብርን ኣለዎ። ፍትሕ ኣብ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዜጋ ምዃን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ፍትሕ ወጻእተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሑ ዝኽእሉ እንተ ኮይኖም ወይ እንተ ዘይኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ይምርኰስ። ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ፍሉይ ሕግታት ይወጽኣሎም እዩ። ብዛዕባ ፍትሕ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ምኽሪ ሓዳርን ስድራ ቤትን ወይ ምስ ማእከል ኣማኸርቲ ሕጊ ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ።