ሕክምናዊ ክንክን

ዝሓመመ ወይ ሓደጋ ዘጋጥሞ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ይኸይድ። ንእሽቱ ሕማማት ወይ ሓደጋታት ምስዘጋጥሙ: ሰብ ካብ ቤት መድሃኒት ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ብርግጽ ዓቢ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስዘጋጥም ግን ናብ ሕክምና ምኻድ የድሊ።

ቤት መሸጣ መድሃኒት

ቤት መድሃኒት: ብሓኪም ዝተኣዘዘ/ብጽሑፍ ዝተኣዝርዝር መድሃኒትን ካልእን ይሸይጥ። ንኣሽቱ ሕማማት ምስዘጋጥሙ: ሰባት ናብ ቤት መድሃኒት ክኸዱ ይምረጽ። ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ዝሰርሑ ሰባት እኹል ፍልጠት ዘለዎም ኮይኖም: ብዛዕባ ጥዕና ክመኽሩን ክሕግዙን ዝኽእሉ እዮም። ሓደ ተረኛ ቤት መሸጣ መድሃኒት ኩሉ ግዜ ክፉት ኣሎ። ሓደጋ ምስዘጋጥም ካብዚ ዘድሊ ሓገዝ ይርከብ። ብቁጽሪ ስልኪ 0800 300 001(ብነጻ) ደዊልካ ኣየናይ ቤት መሸጣ መድሃኒት ክፉት ከምዘሎ ክትፈልጥ ይከኣል።

ናይ ገዛ ሓኪም / ናይ ሕጻናት/ቆልዑ ሓኪም

ኣብ ስዊስ ብዙሓት ሰባት ናይ ገዛ ሓኪም ኣለዎም (ናይ ገዛ ሓኪም)። እዚ ናይ ውልቀ-ስብ ታሪኽ ኩነታት ጥዕናን ነባሪ ሕማምቱን ይፈልጥ: ኣብ ዘድሊ ሕክምናዊ ጠለባት ናይቲ ውልቀ-ሰብ ከኣ ቀዳማይ ተሓታቲ እዚ ናይ ገዛ ሓኪም እዩ። ናይ ቆልዑት ውን ናይ ውልቆም ናይ ገዛ ሓኪም ኣለዎም። ኣገዳሲ ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ እዞም ናይ ገዛ ሓካይም: ነቲ ተሓካሚ ናይ ፍሉያት ክኢላታት ወይ ናብ ላዕለዋይ ሕክምና ይልእኩዎም። ብቀጥታ ናብ ላዕለዋይ ሕክምና ናይ ህጹጽ ቀዳማይ ረዴት ምስዝድለ ጥራይ ምኻድ ይግባእ። ንኩሉ ካልእ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ቀዳማይ ረዲኤት: ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ዘጋጥም: ሓደ ማእከይ ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ ናይ ምሉእ ካንቶን ኣርጋው ኣሎ። እዚ 24 ሰዓት ክፉት ኮይኑ: ቁጽሪተፎን: 0800 401 501 (ንደቒቕ 3 ፍራንክን 23 ሳንቲምን) እዩ።

ሓኪም ስኒ

ኣብ ስዊስ ናይ ስኒ ሕክምና ወይ ክንክን ባዕልካ ይኽፈል። ነዚ ግን ሓደ ተወሳኺ ናይ ድሕነት/ውሕስነት ክፍሊት ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ትምህርቲ ዝኸዱ ቆልዑት ግን ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ብነጻ ናይ ስኒ ጥዕና ክንክን ክግበረሎም መሰል ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ የመሓላልፍ።

ሕክምናታት / ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ትካላት

ናብ ሕክምና (Spital)ክኸይድ ዘለዎ ሰብ: ብሓኪሙ ኣብ ቤት ሕክምና ክምዝገብ ኣለዎ። ከቢድ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥም ግን ብቕጥታ ናብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ማእከል ክኸይድ ይኽእል። እቲ ሓደጋ ንሂወት ኣስጋኢ ወይ እቲ ሕሙም ብእምቡላንስ ናብ ሕክምና ክበጽሕ እንተለዎ ግን 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ቀሊል ናይ ህጹጽ ሓደጋ እንተኮይኑ ግን ናይ ገዛ ሓኪም ሓላፍነት ይወስድ።

ኣብ ገዛኻ ከሎኻ ዝወሃብ ናይ ክንክን ኣገልግሎት

ዝሓመመ ወይ ክንክን ዘድልዮ ሰብ: እሞ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክሕከምን ክንክን ክግበረሉን ምስዝድለ: ነቶም ካብ ሕክምና ወጻኢ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህቡ (Spitex) ክጠልብ ይኽእል። ክኢላታት ናይዚ መዳይ ከኣ ናብ ገዝኡ እናኸዱ ነቲ ተሓካሚ ይከናኸንዎ። እዚ ዓይነት ኣገልግሎት: ንዝኣረጉ:ሓደጋ ዘጋጠሞም ወይ ብርቱዕ ዝሓመሙ ሰባት: ከምኡውን ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርስን ጸገማት ንዘጋጠመን ኣዴታት ይወሃብ። ነዚ ዝግበር ክፍሊት ብከፊል ካብቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ውሕስነት (Grundversicherung) ይኽፈል። ኣብ ልዕሊዚ ናይ ካብ ሕክምና ወጻኢ ተኸናኸንቲ ማሕበር ናይ ካንቶን ኣርጋው (Spitex Verband Aargau): ብዙሓት ካብ ሕክምና ወጻኢ ተኸናኸንቲ ማሕበራት ኣለዉ።