ተለቪዥን / ተለፎን / ኢንተርነት

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን ዝህቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣለዉ። እዚኣቶም ብከፊል ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ይፈላለዩ። ዳርጋ ኩሎም ነበርቲ ከባቢ ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት ክኸፍሉ ይግባእ።

ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት

ዝኾነ ሰብ ናይ ራዲዮ ወይ ናይ ተለቪዥን መዳባት ትስሕብ ምስትህልዎ: (ከምኡውን ናይ ኮምፒተር መሳርሒ ምስ ኢንተርነቱ): ናይ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊት (Radio- und Fernsehgebühren) ክኸፍል ኣለዎ። ምስዚ ሕጋዊ ክፍሊት: ኩሉ ፕሮግራማት ናይ ህዝባዊ ሕጋዊ መሰላት ናይ ስዊስ ራዲዮን ተለቪዥንን (SRG SSR) ከምኡ ውን ናይ ውልቂ ራዲዮን ተለቪዥንን ሓገዛት ይረኽቡ።ንምእካብ እዚ ክፍሊት ቢላግ/serafe/ ሓላፍነት ይወስድ። ናይ መመላእታ ገንዘብ /Ergänzungsleistungen/ ዝወስዱ ሰባት ካብዚ ክፍሊት ነጻ ኢዮም።

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን

ተለፎን: ኢንተርነት.: መስመር ተለቪዥን: ዝምልከት ኣብ ስዊስ ብዙሓት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ጥራይ ይነጥፉ። ኣብ ከባቢ ወይ መንበሪ ምምሕዳር ኣቶም እቕረብቲ ይመጽኡ። ዝሕሸ ዋጋ ኣወዳዲርካ ምምራጽ: ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዋጋታትን ስለዘለዉ: ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ሳተላይት መስመር ክእቱ ዝደሊ: ነቲ እካራዪ ክሓትት: ወይ ንጎረቤት ክውከስ ይግባእ። ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ውሽጢ ገዛ: ከም ልሙድ ቁልጡፍ ኢዩ። ናይ ኢንተርነት ካፈ: ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ ዘሎ: ምኽንያቱ ኩሉ ገዛውቲ ናይ ኢንተርነት መስመር ስለዘለዎ።