ኣልኮል / ትምባኾ / ሓሽሽ

ሕሽሽ ምውናን: ዝጥቀም ወይ ዝሸይጥ: መቕጻዕቲ ይመጽኦ። ኣልኮልን ትምባኾን ንምሻጥ ናይ ዕድመ ገደብ ኣሎዎ።

ሓሽሽ

ምውናን: ምሻጥ ወይ ምጥቃም ሓሽሽ ዘይሕጋዊ ሕሽሽ ብሕጊ የቕጽዕ ኢዩ። እዚ ብንእሽቶ መጠን ውን እንተኮነ የቕጽዕ ኢዩ። እቲ ንጥረ ነግራት ዘይሕጋዊ እንተኮይኑ: ኣብ ናይ ዘደንዝዙ ነገራት ሕጊ (Betäubungsmittelgesetz) ተሓጊጉ ኣሎ።ብንግዳዊ ደረጃ ዝሽየጥ ሓሽሽ ዓቢ መቕጻዕቲ የኸትል።

ኣልኮልን ትምባኾን

ኣልኮልን ትምባኾን ንምሻጥ ናይ ዕድመ ገደብ ኣሎዎ። መሸጣ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ኣብ ካንቶን ኣርጋው: ንቆልዑትን መንእሰያትን ትሕቲ 16 ዓመት ኣይፍቐድን ኢዩ። ንፍሉያት ኣልኮላዊ መስተታት ከም ደረቓልኮላዊ መስተ እቲ ናይ ዕድመ ገደብ ካብ 18 ዓመት ይኸውን።

ምኽልካል ምትካኽ ሽጋራ

ምኽልካል ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ስዊስ ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ነቲ ናይ ሃገራዊ መንግስቲ ሕግታት ምኽልካል ምትካኽ ሽጋራን ንምብካል ብሽጋራ ንካልኦት ሰባትን ዝምልከት ሕጊይጣበቕ። ብዘይካዚ ካልእ ዝስዕብ ሕግታት ኣየተግብርን።
ምኽልካል ምትካኽ ሽጋራ:

  • ኣብ ዕጹው: ክፉት ክፍልታት( ሕክምና: ምምሕዳር: ቤት ትምህርቲ: ቤተ መዘክር: ሲኔማ: ትያትር: ባቡርን ኣውቶቡስን:ድዃናትን ናይ ዕዳጋ ማእከላትን)
  • ክፍልታት: ብዙሓት ሰባት ዝሰርሕሉ:

ኣብ ቤት ምግቢ ምትካኽ ሽጋራ: ኣብ መጠን ዕብየት ናይቲ ቤት ምግቢ ይፈላለ። ኣብ ብዙሓት ኣብያት መግቢ ናይ ሽጋራ ዝትከኾ ክፍሊ ኣሎ።