ዕዳ

ኣብ ዝተወስነሉ ግዜ: ዝግባእ ክፍሊት ዘይከፍል ሰብ: ናይዚ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ንዕዳ ዝምልከት ናይ ምኽሪ ትካላት ብምውካስ ምፍትሒ ክርከብ ይከኣል።

መጠንቀቕታን ዕዳን

ኣብ እዋኑ ክፍሊት ምስዘይትኸፍል: ቀዳማይን ካልኣይን መጠንቀቕታ (Mahnung) ይመጽኣካ።እቶም እኽፈልቲ ነዚ ምስዘይክበር: ናብ ናይ ዕዳ መዝገብ (Betreibung) ነቲ ዕዳ ክልእክዎ ይኽእሉ። ኣብዚ ኩነት ዚ: እቲ ዕዳ ዘለዎ ሰብ ካብ ሰብ መዚ ምቁጽጻር ዕዳ (Betreibungsamt) ክፈል ዝብል ናይ ዕዳ ወረቐት ይመጽኦ። ምስዚ ከኣ ናይ ምሕደራን: ወለድን ክፍሊት ተወሳኺ ኮይኖም ይመጽኡ። ነዚ ናይ ሰብ መዚ ናይ ዕዳ ምኽፋል መጸዋዕቲ ዘይስምዕ: ንመሰላት ዝምልከት መቕጻዕቲ (Rechtsvorschlag) ብዝምልከቶም ኣካላት ሰበስልጣን ምኽፋል ዕዳ ይግደድ። መጠንቀቕታ: እዚ ጉዳይ ኣብ ደሞዝን ኣብ ንብረትን ምህጋር/ ምውሳድ ከምርሕ ይኽእል። ብተወሳኺ እዚ ዕዳ ኣብ ናይ ዕዳ መዝገብ (Betreibungsregister) ይምልከት: ይምዝገብ (ዋላውን ኣብ መጨረሽታ እቲ ዕዳ ተኸፊሉ እንተኮነ)። እዚ ገዛ ክራይ ኣብ ትደልየሉ እዋን ዓቢ ዕንቅፋት ይከውን።

ዕዳ

ናይ ገንዘብ ጸገም ወይ ዕዳ ዘለዎ ሰብ: ኣብ ናይ ዕዳ ኣማኸርቲ ትካል (Schuldenberatungsstelle) ክውከስ ይኽእል። ኣብኡ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ይረክብ። ክኢላታት ናይዚ መዳይ ነቲ ዕዳ ምስቲ ተዓዳዪ ብሓባር ኮይኖም ኩነታት የጽንዑ: መፍትሒ ከኣ ይረኽቡ። ትካል ሓገዝ ካሪታስ Caritas ሓደ ቁልጡፍ ፍታሕ ወይ ምኽሪ ብተሌፎን "SOS-Schulden" Beratungs-Hotline, ብቁጽሪ ተሌፎን 0800 708 708 (ብነጻ ዘይክፈሎ) ፍታሕ የናዲ። ኣገዳሲ እንተኮይኑ ናብ ካልእ ትካል ምኻድ ይከኣል። ብኢንተርኔት ጠቓሚ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቛንቛ ካብ ካሪታስ ናይ ዕዳ ኣማኸርቲ ክርከብ ይከእል።