ሞያዊ ስልጠና / ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ

ድሕሪ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ: መብዛሕትኦም መንእሰያት ንሓደ ሞያዊ ስልጠና ንምቕጻል ይውስኑ። ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክመሃር ዝደሊ: ከም ሕጊ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ብስለት ትምህርቲ ምስክርነት ከርኢ ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣብ ዓንኬል ሞያዊ ስልጠና/ትምህርቲ ይከኣል እዩ።

ትርጉም ሞያዊ ስልጠና

Eine gute Ausbildung und die Stellung im Berufsleben haben eine hohe Bedeutung. Bereits die Leistungen in der obligatorischen Schule sind für die späteren Möglichkeiten sehr wichtig. Nach der obligatorischen Schulzeit stehen den Jugendlichen verschiedene Wege offen, um sich eine gute Ausgangslage für das Berufsleben zu schaffen (Sekundarstufe II). Ohne weitere Ausbildung ist es schwierig, eine gute Stelle zu finden. Die Beratungsdienste für Ausbildung und Beruf Aargau (ask!) beraten Jugendliche und Eltern kostenlos in Fragen der Aus- und Weiterbildung.

ሞያዊ መሰረታዊ ስልጠና

መብዛሕትኦም መናሰያት ድሕሪ መሰረታዊ ግዴታዊ ትምህርቲ ሞያዊ መሰረታዊ ስልጠና (Berufslehre) ይደልዩ። ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ እቶም መንእሰያት ኣብ ሓደ ትካል ግብራዊ ንጥፈታት ነቲ ሞያ ዘድሊን ኣብ ጎድኑ ከኣ ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ይኸዱ። ካብ 250 ንላዕሊ ዝኾኑ ዓይነት ናይ ሞያ ትምህትታት ኣለዉ። እዚ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ካብ 2 ክሳብ 4 ዓመት ይጸንሕ። መንእሰያት ባዕሎም ንዕኦም ዝሰማማዕ ኣብ ሓደ ትካል ናይ ስራሕ ትምህርቲ ይደልዩ። እቲ ምድላይ ኣቐዲሙ ኣብተን ክልተ ናይ መጨረሽታ ናይ ግዴታዊ ትምህርቲ ዓመታት ይጅመር።ቤት ትምህርቲ ንተማሃሮኡ ኣብዚ ምድላይ ይሕግዞም። ኣብዚ ግን ንወለዲ ውላዶም ይሕገዙ ከምዘለዉ ምሕባር የድሊ። ብተወሳኺ እቲ ወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ንስልጠናን ትምህርቲን ናይ ካንቶን ኣርጋው (ask!) ንተመሃሮ ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ዝተፈላለየ ምኽሪን ሓበሬታን ይህቦም። ናይ ስራሕ ትምህርቲ ዝዛዘሙ መንእሰያት: ንናይ ሞያ ብስለት ትምህርቲ (Berufsmaturität) ከመልክቱ ይኽእሉ ኣዮም። ኣዚ ወይ ኣብ ግዜ መሰረታዊ ሞያዊ ስልጠና ወይ ናይ ስራሕ ትምህርቲ ምስወድኡ ክገብርዎ ይኽእሉ።

ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ

ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ (Mittelschulen) ሓደ ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ይህቡ። እዚ ትምህርቲ ንሓደ ኣካዳሚያዊ ስልጠና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (Fachhochschulen) የዳሉ። ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ: ከም ናይ ጂምናዝዩም ብስለት ትምህርቲ (gymnasiale Maturität) ዝዛዘመን ከም ናይ ክኢላዊ ወይ ሞያዊ ብስለት ትምህርቲ (Fach- oder Berufsmaturität) ዘቕረቡ ኣብ ክልተ ይምቀል።ናይ ጂምናዝዩም ብስለት ትምህርቲ ብዘይ ፈተና ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትእቱ የኽእል።ናይ ሞያ ወይ ናይ ክእላዊ ብስለት ትምህርቲ ከኣ ብዘይ ፈተና ናብ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃትምህርቲ ክታኣቱ የኽእል። ኣዘን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲታት: ንናይ ጂምናዚዩም ብስለት ትምህርቲ ዘለዎም ክፉታት: እቶም ዩኒቨርሲታት ከኣ ናይ ክኢላዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሞያዊ ብስለት ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ( ብሓደ ፈተና) ክፉታት እዮም። ከከም ኩነታቱ ግን ተወሳኺ ጠለባት ይግበረሎም።

መሰጋገሪ ድልድል ኣቕርቦታት

ካብ 16- 21 ዓመት ዕድሜኦም: ድሕሪ ግዴታዊ መሰረታዊ ናይ ትምህርቲ ግዜእኦም ናብ ካንቶን ዝመጽኡ መንእሰያት: ሓደሓደ ፍሉጣት ረቓሒታት ድሕሪ ምምላእ ናብ ሓድ መሰጋገሪ ስልጠና (Brückenangebot) ናይ ካንቶን ቤት ትምህርቲ ስልጠና (Kantonale Schule für Berufsbildung, ksb) ክሳተፉ ይኽእሉ። እቲ ዝኸበደ ጎድኒ ናብ ስራሕ ዓለም ኣብ እትኣትወሉ ግዜ ይኸውን። ሓደ መሰጋገሪ ድልድል: ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ትምህርቲ ወይ መለማመዲ ስራሕ ንክረኽቡ ይሕግዞም። ተገዳስነት ዘአዎም ናብ ወሃቢ ኣገልግሎት ምኽሪ ንትምህርቲን ስልጠናን ናይ ካንቶን ኣርጋው (ask!) ወይ ኣብ ማእከል ሓባሪ መንገዲ ምድላይ ስራሕ (Anlaufstelle Wegweiser) ክውከስ ይኽእል።