ኣደነትን ስድራ-ቤትን

ቆልዑት ዘለዎ ሰብ: ኣብ ምሉእ ስዊስ: ንቆልዑትን ንስልጠናን ዝኸውን ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይወሃቦ። ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ ይወሃበን።

ናይ ኣደነት ዕስቢ ወይ ካሕሳ

ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ (Mutterschaftsurlaub) ይወሃበን። ኣብዚ ግዜዚ ብውሕዱ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዘን ይኽፈለን። ስራሕ ዘይብለን ኣዴታት: ወይ ክሰርሓ ዘይክእላ እንተኮይነን: ካን ምምሕዳር ከባቢ ጨንፈር ማሕበራዊ ትካል ድሕነት (Gemeindezweigstelle der Sozialversicherungsanstalt SVA) መሰል ኣለወንን የብለን ንምፍላጥ ይሓታ። ኣብዚ ፍሉይ ሕግታት ኣሎ። ኣብተን መጀመርታ 8 ሰሙናት ናይ ድሕሪ ሕርሲ: ኣዴታት ክሰርሓ የብለንን: መሰል ናይ ኣዴታት ተጥበቕቲ (Mutterschutz).

ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ

ኣቦታት ውሉድ ምስ ተወልደ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ከም ዕረፍቲ ሕርሲ (ኣዴታት) ዘይኰነስ ናይ ኣቦ ዕረፍቲ ተዓጻጻፊ እዩ፡ ከመይሲ ነዚ ኩሉ ብሓንሳእ ወይ በብሓደ መዓልቲ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እቲ ሕጻን ካብ ዝውለድ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክኸውን ኣለዎ።

ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት

ቆልዑት ዘለዎም ሰባት: ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት (Familienzulagen) ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ይግበረሎም። እዚ ንቆልዑት ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ከም ተወሳኪ ንመእሰያት ከእ ክሳብ 25 ዕድሜኦም ናይ መሰልጠኒ ተባሂሉ ይወሃብ።ስለዚ ኣብዚ መሰል ዘለዎም: ኩሎም ወለዲ ዝሰርሑ እንተኮይኖም:ነብሶም ዝኸኣሉ ወይ ስራሕ ዘይብሎም ወለዲ ቅሩብ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ስለዚ ሰራሕተኛታት ወለዲ ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ደሞዞም ዝኽፈል ይወሃቦም። ዝያዳ ሓበሬታ ንተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ዝምልከት ካብ ምምሕዳር ከባቢ ጨንፈር ማሕበራዊ ድሕነት ይርከብ። መጠን ተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ።