ፖለቲካ

ኣብ ስዊስ ናይ ፖለቲካ ስልጣን ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። መንግስቲ: ካንቶን(ኣባላት ሃገር)ን ምምሕዳር ከባቢን። ስዊሳዊያን ኣብ ግዜ ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ይውስኑ።

ሃገረ ስዊስ

ሃገረ ስዊስ ካብ 1848 ኣትሒዛ ኔራ።ርእሲ ከተማኣ ከኣ በርን ኢያ።ሓድነት ስዊስ ኣብ ብሔር: ሃይማኖትን ቛንቛን ዝተመስረተ ኢዩ። ኩሎም ባህልታት ብነጻ ድልየት ብሓባር ዝተጠርነፉ ኮይኖም: ሰብ " ሃገረ-ድልየት" (Willensnation) ኢሉ ይሰምያ። ስዊስ ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ሻራ ዘይብላ ሃገር ኢያ።

ፈደራላዊ ስርዓት

ኣብ ስዊስ ኩለን ካንቶናትን ምምሕዳር ከባቢታትትን ናይ ገዛእ ርእሰን መሰል ምውሳንን ምምሕዳርን/ ርእሰ ውሳኔ/ምሕደራ/ ኣለወን: እዚ ከኣ ፈደራላዊ ስርዓት ይበሃል። እተን 26 ካንቶናትን ልዕሊ 2000 ምምሕዳር ከባቢታትን ምሉእ መንግስታዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣለወን። ካንቶን ኣርጋው ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋምን መንግስታዊ ምሕደራን: ባይቶን ቤት ፍርዲን ኣለዋ። ንብዙሓት መንግስታዊ ስርሓት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢታትን ሓላፍነት ይስከሙ። ኣብዚ ከም ኣብነት ናይ ትምህርቲ ስርዓት ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ሕግታቱ ይፈላለ። ኣብ ናይ ምሉእ ስዊስ ስርዓተ መንግስቲ ሕግታት እዚ ናይ ካንቶንን ናይ ምምሕዳር ከባቢን ሕግታት: ኣብ ዝምልከቶም ቦትታት ከም ቅቡላት ኮይኖም ይምዝገቡ። ምምሕዳር ከባቢታት ሓድሓደ ሕግታት ክገድፉ ይኽእሉ። ንምቁጽጻር ዕዮታት ካንቶንን ምምሕዳር ከባቢን ቀረጽ/ ግብሪ ልክዕ ከም መንግስቲ የኽፍሉ።

ምምቕራሕ ስልጣን

ስልጣን ኣብ ሓደ ንኸይጥቕለል ንኩሉ ክከፋፈልን ኣብ ሃገረ ስዊስን ኣብ ካንቶናትን ስልጣን ኣብ ሰለስተ ርእሰን ዝኸኣላ ኣካላት ይኽፈል። ንሳተን ከኣ ሓጋጊ ኣካል: (gesetzgebende Gewalt), ፈጻሚ ኣካል (gesetzesausführende Gewalt) ፈራዲ ኣካልን (richterliche Gewalt) እዮም። ኣብ ካንቶን ኣርጋው ነዚ ሓላፍነት እዞም ዝስዕቡ ሰበ-ስልጣን ይስከሙዎ።

  • ሓጋጊ ኣካል/ Legislative/: ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ (Grosser Rat) (140 ኣባላት: ካብ ህዝቢ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ዓመት ዝምረጹ)።
  • ፈጻሚ ኣካል/ Exekutive/: ኣዛዚ ቤት ምኽሪ / (Regierungsrat) (5 ኣባላት: ካብ ህዝቢ ኣብ ነብሲ ወከፍ 4 ዓምት ዝምረጹ)
  • ፈራዲ ኣካል/ Judikative/ : ዝተፈላለዩ ቤት ፍርድታት ብደረጃ ወረዳን ካንቶንን ዝቖሙ።

ምምሕዳር ከባቢታት ክኣ ሓጋጊ/ Legislative/ (Gemeindeversammlung)ናይ ምምሕዳር ዋዕላ ወይ ናይ ባይቶ ዋዕላን (Gemeindeversammlung, Parlament) ፈጻሚ /Exekutive (ናይ ከተማ ወይ ምምሕዳር ከባቢ, Stadtrat, Gemeinderat) ኣለዎ። ብደረጃ ሃገር ሓጋጊ ኣካል ክልተ ክፋላት: ሃገራዊን ቆዋሚን ቤት-ምኽሪ (National- und Ständerat) ኣለዎ። ሃገራዊ ርእሰ-ሃገር (7 ኣባላት) ቡንደስራት (Bundesrat) ይበሃሉ።ብሃገር ደረጃ : ዝተፈላለዩ ቤት-ፍርዲ ኣለዉ። ሃገራዊ ቤት-ፍርዲ: ከም ዝለዓለ ፈራዲ ኣካል ኩሉ ናይ ካንቶናት ውሳኔታት ናብኡ ይመሓላለፍ።

ዲሞክራሲያዊ መሰል

ስዊሳዊያን ናይ ድምጺ ምሃብን መሰልን ናይ ምምራጽ መሰልን ኣለዎም። ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ብደረጃ ካንቶንን ብደረጃ ሃገርን ባዕሎም ምርጫ ከካይዱ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ዜጋታት ስዊስ ኣብ ህዝባዊ ምድማጽ ንፖለቲካዊ ስርሓት ብምምሕዳር ከባቢ: ብካንቶን ብሃገር ደረጃ ይውስኑ(ቀጥታዊ ዲሞክራሲ)። ብተበግሶን ጎስጝስን ህዝቢ: ዜጋታት ስዊስ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኣብ ምርጫ ከቕርቡ ይኽእሉ። ወጻእተኛታት ኣብ ካንቶን ኣርጋው ዝነብሩ ናይ ምርጫ መሰል የብሎምን። ይኹን እምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ብምእካብ ጥርዓን ናብ ሰበ-ስልጣን ስዊስ ክልእኩ ይከኣል።

መሰረታዊ መሰላት

ንመሰል ዝምልከት መሰረታዊ ሓረጋት ጽሑፍ ሕግታት ናይ ስዊስ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም (Bundesverfassung) ተመዝጊቦም ይርከቡ። እቶም ቀንዲ ናይ መንግስት ቅዋም ኣቒሞም ዘለዉ: መስረታዊ መሰላት:ኣብ ናይ ኤውሮፓ ሰብኣዊ መሰላት ውዕል (EMRK) ዝጸደቑ እዮም። እዚኦም ንህላወ ደቂ ሰባት ( ንኣብነት ናይ ምንባር መሰል: መሰል ሓገዝ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት): ካብ መንግስታዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ካብ ናይ ብዙሓን ወገን ይከላኸሉ። እዚኦም ዋላ ሓደ ሰብ ብምኽንያት መበቖሉ: ዓሌቱ: ሃይማኖቱ ወይ ጾታኡ ወይ ብምኽንያት ጾታዊ ርክቡ ከይንጸልን መሰሉ ከይገሃስን ይከላኸሉ። ግዳይ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ካንቶን ኣርጋው ብነጻ ብዘይ ክፍሊት ናይ ምኽሪን ደገፍን ሓገዝ ይረኽቡ። ኣብ ስዊስ ናጽነት ሃይማኖት: ርእይቶ ምሃብን ናይ ጽሑፍ ምዝርጋሕን ዝተሓለወ ኢዩ።