ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ

ኣባላት ስድራ-ቤት ናይ ሓደ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ከም ኩነታቶም ተራእዩ ናብ ስዊስ ክመጽኡ ይከኣል። ዘመድ ወይ መቕርብ ናብ ስዊስ መጺኡ ክበጽሓካ ምስዝደሊ: ከከም መበቖል ዓዶም ናይ መብጽሒ ቪዛ ክሕቱ ኣለዎም።

ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ

ብመሰረቱ ናይ ቀረባ መቕርብ ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት: ዘመድ ወይ መጻምድቲ: ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ መቕርብ ዝኾኑ: ናብ ስዊስ ንክመጽኡ መሰል ኣባል ስድራ-ቤት ምትእኽኻብ (ምትእኽኻብ ስድራቤት, Familiennachzug) ኣለዎም።ነዚኦም ኣባላት ናብ ስዊስ ንምምጽእ: ኣብ መበቖል ዓዲ ናይቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ ይምርኾስ። ብግዝያዊነት ተቕባልነት ኣብ ስዊስ ምንባር ብናይ መንነት ኤፍ (Ausweis F) ዝነብሩ ሰባት ኣብ ፍሉይ ቅድመ-ኩነት ኣባላት ስድራ ከምጽኡ ይከኣል። በዓል ስልጣን ናይ ስደተኛታትን ምውህሃድን:ናይ ካንቶን (Amt für Migration und Integration) ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን። ተጠንቀቕ: ስድራቤት ምምጻእ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክፍጸም ይግባእ። እዚ ኣብ ንእሽቱ ቅልዑት ሓጺር ኮይኑ ኣብ ዓበይቲ ግን ብተዛማዲ ( ብፍላይ ኣብ መጻምድቲ) ንውሕ ዝበለ ዩ።

ምድላው / ምቅርራብ ንመርዓ

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብሞ: ካብ ደገ ክምርዖ/ክትምርዖ ምስዝድለ: ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ መጻምድቲ: ንክምርዖ/ክትምርዖ: ናይ መመርዕዊ ፍቓድ ንምድላው መርዓ (Vorbereitung der Heirat) ተባሂሉ ፍቓድ ቪዛ ክሕተተሉ/ላ ይከኣል። እዚ ፍቓድ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሰብ ኣብ ስዊስ መጺኡ ንክምርዖ የኽቕል።በዓል ስልጣን ናይ ስደተኛታትን ምውህሃድን:ናይ ካንቶን (Amt für Migration und Integration) ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን።

ናብ ስዊስ መእተዊ / መምጽኢ ቪዛ

ንብዙሓት ዜጋታት ናይ ወጻኢ ሃገራት: ናብ ስዊስ ዘመድ ወይ ስድራቤት: ኣዕሩኽ ንምርኣይ ክመጽኡን መእተዊ ቪዛ ክረኽቡን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ንምቅላል: እቲ ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ናይ ዕድመ ጽሑፍ ክገብረሎምን: ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝምልከት ውሕስነት: ከም መሰረታዊ ናይ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ውሕስነት መረዳእታ/መረጋገጺ (Verpflichtungserklärung) ክገብረሎም የድሊ።ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ወኪል ናይ ስዊስ ነዚ ዝምልከት ውሳኔ የሕልፍን: ዘድሊ ናይ ሰነድ ምምላእን: ኣፈጻጽማ መስርሕ ናይቲ ጉዳይን ዝምልከት ሓበሬታ ይህብን። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ስደተኝታትን ምውህሃድን (Amt für Migration und Integration) ናይ ነብሲ ወከፍ ካንቶን ብዝርዝር ይርከብ።