ሓጺር መግልጺ

ካንቶን ኣርጋው ሓንቲ ካብተን 26 ካንቶናት ናይ ስዊሲያ። ብብዝሒ ነበርታ ከኣ ዝዓበየት ራብዓይቲ ካንቶን ናይ ስዊስ ኢያ። ፍሉዩነት ናይ ካንቶን ኣርጋው ብዙሕነት ናይ ዞባታታ ኢዩ።

ፍቕድታትን ኩነታትን

ኣብ ካንቶን ኣርጋው ልዕሊ 700'000 ነበርቲ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ዳርጋ ርብዒ ናይ ወጻኢ ሃገር መበቖል ዘለዎም ኢዮም። እዛ 1404 ትርቢዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓታካንቶን 11 ወረዳታትን (Bezirke) ልዕሊ 200 ምምሕዳር ከባቢታትን ( Gemeinden) ተጠቓልል። ዋና ከተማ ናይ ካንቶን ኣርጋው: ኣራው ኢያ። ናይ መንግስቲ ቛንቛ: ቛንቛ ጀርመን ኢዩ። እዛ ካንቶን ብብዙሓት ርእሰን ዝኸኣላ ዞባታት ናይ ገዛእ ርእሰን ርእሰ ከተማ ዘለወን ትቐውም። እተን ቀንዲ ካብዚኣተን: ኣራው: ባደን: ብሩግ: ዎህለን: ብረምጋርተን:ዞፊንገንን ራይንፌልደንን እየን። ነብሲ ወከፈ ዞባ ብኣቓውማ መሬት: ብባህሊን ቁጠባን ይፈላለያ።

ታሪኽ

ካንቶን ኣርጋው ኣብ 1803 ተመስሪታ። እተን ብፈረንሳዊ ቄሳር ናፖሊዮን ቦናፖርተ ብሓንሳብ ዝተጠርነፋ ቦታታት: ብፖለቲካ: ብሃይማኖትን ብቁጠባን ኣዝየን ዝተፈላለያ ነበራ። እዚ ክሳብ ኩነታት ሕጂ ይፍለጥ። ሕርሻዊ ቁጠባ ክሳብ 1900 ነዚ ካንቶን ዓቢ ትርጉም ኔሩዎ። ምስ ኢንዳስትሪያዊ ምዕባለ ኩሉዚ ተቐይሩ።እዚ ክንሱ ቲ ኩነት: ካንቶን ኣርጋው ሕጂ ብናይ ሕርሻ መሬት ወቂባ ትርከብ። እዚ ብዓለምላኽዊ ማሕበራት ዝውነኑ ናይ ኢንዳስትሪ ትካላትን ዓበይቲ ካምፓኒትታትን ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ብብዝሒ ይርከቡዋ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ካንቶን ኣርጋው መጺኦም። እዚኦም ሓደ ወሳኒ ዝኾነ ወጻኢታት ቁጠባ ከህልኹ ጸኒሖምን ይህልኹ ኣለዉን።

ድልየትን ባህልን

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት: ምምሕዳር ከባቢታትን ናይ ካንቶን ኣርጋው: ካብ ሕድሕድ ዝፈላለ ባህልን ድልየት ልምድን ኣሎ። ሓደ "መዕቀኒ ወይ መለለዪ"ናይ ኣርጋው ልምዲ ብመሰረትቲ ናይ ታሪኽ ብዙሕነት ብፍሉጥ ዝጥቀስ የለን። ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ከም ኣራው: ባደን: ብሩግ:ሌንዝቡርግ:ወይ ዞፊንገን: ፌስታ ናይ መንእሰያት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ኣብ ናይ ክረምቲ ካላንደር/ዓውደ ኣዋርሕ ጎሊሑ ይርአ። ኣበዓዕላ ናይዚ ፌስታ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ከይተቐየረ ጸኒሑ። ጾም ምሸት/ፋስናኽት ወይ ካርነቭል/ ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣብ ገለ ዞባታት ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ዓድታትን ቁሸታትን: ልምዲ ምጥቃም ፍሬታት ኣብ ጽድያን ናይ ፍርያምነት ምምስጋን ፌስታ ኣብ ግዜ ቆውዒን ይዝውተር። ምስዚ ዝተፈላለዩ ናይ ክርስትያንን በዓላት ይኽበሩ።

ኣርጋው – "Rüebliland"

ኣርጋው ከም ናይ ካሮት ዓዲ „Rüebliland“ (ምድሪ ካሮት) ትፍለጥ. ሰባት ንምንታይ እዚ ቅጽል ስም ንካንቶን ኣርጋው ከምዝተዋህበ ኣይፍልጡን እዮም። ነዚ ብዝምልከት ምስ ምፍራይ ካሮት ወይ ምስ ምዝውታር መግቢ ካሮት ዝተሓሓዝ ጉዳይ የለን። እቲ ፍሉይ ናይ ኣርጋው ናይ ካሮት ቶርታ (Rüeblitorte) ኣብ ምሉእ ስዊስ ዝተፈትወ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ኣብ ኣርጋው ናይ ካሮት ዕዳጋ (Rüeblimarkt) ይግበር።